ጽሑፋትን ውልቃዊ ንብረትን፡ ፕሮፌሰር ስቲፈን ሆኪንግ፡ ብሃገራዊ ቤተመዘክር ክዕቀቡ ምዃኖም ተገሊጹ።
እቶም ጽሑፋት፡ ስቲፈን፡ ካብ እዋን ህጻንነቱ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ዝጸሓፎም ደብዳበታት፥ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማት ትረኻዊ ጽሑፋት ከምኡውን ንብላክ ሆል ኣመልኪቱ ዝገበሮ መርመራታት ዘጠቓልል እዩ። እዚ 10 ሽሕ ዝብዝሑ ወረቓቕቲ ዘጠቓልል ታሪኻዊ ሰነድ፡ ኣብ ቤተ ንባብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ክዕቀብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ቤትጽሕፈት ስቲፈን፡ ኣብ ቤተ መዘክር ሳየንስ፡ ዳግማይ ክህነጽን ምሩጻት ጽሑፋት ድማ ንምርኢት ክቐርቡ እዮም።
ስርሓቱ ዝመጹ ወለዶታት ክርእይዎም ምእንቲ፡ ክዕቀቡ ምግባሮም ከም ዘሐጐሶ ወዱ ንፕሮፌሰር ስቲፈን፡ ቲም፡ ገሊጹ’ሎ። “ኣቦይ ኣዝዩ ምተሓጎሰ፥ ብህይወት እናሃለወ ይሓልሞ ካብ ዝነበረ ጒዳይ፡ እቲ ቀንዲ ሳየንስዊ ፍርያቱ፡ ኣብ ክንዲ ንውሑዳት ሰባት፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ክፉት ክኸውን እዩ ኔሩ” ኢሉ።