ኣብ ዞባ ኖርቦተን ብፍላይ ድማ ላፕላንድ ጽላት ቱሪዝም እናወሰኸ ምምጽኡ ሓላፊ ቱሪዝምን ቦርድ በጻሕትን ላፕላንድ ሊንድ ኣንድርያስ ሓቢሩ። ሊንድ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ዞባ ኖርበርተን መዓልቦ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዝመጹ ብዙሓት በጻሕቲ እናኾነት ምምጽኣን ከምኒ ኣይስ ሆቴልን ትሪ ሆቴልን ድማ ብብዝሒ ኣጋይሽ ኣብ ምእንጋድ ከም ዝርከባን ኣርክቲክ ባዝ ኣቓልቦ እናሰሓበ ምምጽኡን ገሊጹ።
ንሱ ቱሪዝም ገይጺ ዘተኲረሎም ገለ ንጥፈታት ከምኒ Sjulsmark’s Jössgården ዕደትን ምርኣይ Arctic Balloon ጒዕዞን ዝበሉ ምህላዎም ድማ ኣብሪሁ። ኣብ 2018 ኣገልግሎት ቱሪዝም ላፕላንድ ናብ 7.1 ቢልዮን ክሮና ይግመት ምንባሩ ድማ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣመልኪቱ። እዚ ጽላት ምስ ምውሳኽ ሽቕለትን ምውሳኽ ቀረጽን እናዓበየ ምምጽኡ ድማ ተመልኪቱ።
እቲ ሸቶ ንኣትዊ ቱሪዝም ላፕላንድ ኣብዚ ዓመት ብዕጽፊ ምዕባይ ምዃኑ ዘመልከተ ሊንድ ኣብ ናይ ምቾት ሆቴላት ዘሎ ጽፉፍ ኣገልግሎት ነዚ ጽላት ተሃራፊ ከም ዝገብሮ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ብተመሳሳሊ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ን ንቻይናውያን በጻሕቲ ንግዚኡ እኳ እንተዓገተ ነቲ ጽላት ዛጊት ብዙሕ ሃስያ ግና ከም ዘየውረደሉ ገሊጹ።