ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኻየዱ ምቅይያር ሕግታት ብዙሓት ስድራቤታት ንኽበታተኑ ጠንቂ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።
ኮሜቴ ምጥርናፍ ስድራቤት ምስ ኣባላት ፓርላማ ስዊድን ክገብሮ ድሕሪ ዝጸንሐ ርክባት ንዕለት28 ግንቦት 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ካብ ሰዓት12:00 ክሳብ ሰዓት 15:00 ሰላማዊ ሰልፊ ንኽግበር መደብ ወጽዩ ስለዘሎ: ኩላትኩም በዚ ጉዳይ ትግደሱ ሰባትን ደገፍትን ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ሰዓትን ዕለትን መጺኹም ድምጽኹም ከተስምዑ ጻዊዕትና ነቅርብ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ኣልኮምፒስ ቴለቭዝንን ማሕበራዊ ሚድያን ተኸታተሉና።
ኮሜቴ ምጥርናፍ ስድራቤት