ሓሞት ደሚቕ ቀጠልያ ኾይኑ ሕፍስ ዝበለ ፈሳሲዩ።ሓሞት ኣብ ከረጺት ዝዓቁር ኮይኑ እዚ ከረጺት ናይ ሓሞት ድማ ምስ ጸላም ከብድና ዝተጣበቐ እዩ።እዚ ከረጺት ድማ ከረጺት ሓሞት ወይ ፍሕኛ ናይ ሓሞት ተባሂሉ ይጽዋዕ።ሓሞት ንስብሒ መታን ከሕቕቐልናን ከቃጽለልናን ይጠቕመና።
ጠሊ ናይ ሓሞት እንሓንሳብ ክጎድል ይኽእል እዚ ድማ ንሓሞት ከሕፍሶ ይኽእል ስለዚ ደቀቅቲ ተረርቲ ነገራት ይምዕብልሞ ኣብ መወዳእታ ጸጸር ናይ ሓሞት ይኾኑ።
ዝተፈላለዩ ግዝፊ ዘለዎም ጸጸር ናይ ሓሞት ኣለዉ እቶም ዝነኣሱ ክንዲ ርእሲ ፍረ ክርቢት ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዓበይቲ ጸጸር ናይ ሓሞት ድማ ክንዲ ባሊና ይኾኑ።
ጸጸር ናይ ሓሞት ካብ ደቂተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ደቀንስትዮ ይርኤ።ጸጸር ናይ ሓሞት ኣብ ሻምብቆ ናይ ሓሞት ምስዝቅርቀሩ ቡርቱዕ ኣታዊ ወጻኢ ዝኾነ ቃንዛ ይፈጥሩ ከምኡውን ነድሪ ክገብሩልና ይኽእሉ።
መድሃኒት ናይ ቃንዛ ፡
ንቓንዛ ጸጸር ሓሞት ከዕግሱልና ይኽእሉ።ንኣብነት ድክሎፌናክ(diclofenac)፡ብሩፈን(ibuprofen)።
ገለ ኣገደስቲ ምኽርታት ዛዕባ ጸጸር ሓሞት
። ፍሉይ ዓይነት መግቢ ብምብላዕ ጸጸር ሓሞት ክንከላኸሎ ኣይንኽእልን ኢና።
።ሮጎድቲ ከይንኸውን ነረጋግጽ
።ልዕሊ ሚዛን ሰውነት ዲኻ ?ቀስ ብቀስ ክብደት ሰውነት እንተድኣ ኣጉዲልና ጸጸር ሓሞት ናይ ምምዕባል ተኽእሎታት ይጎድል ወይ ይንእስ።
(እቶም ኣብ ሓጺር እዋን ቡዙሕ ክብደት ኣካላት ዘጉድሉ ወይ ዝንክዩ ጸጸር ናይ ሓሞት ከማዕብሉ ዓቢ ዕድል ወይ ቡዙሕ ተኽእሎታት ኣለዎም)።
።ክኢላ ስነ መግቢ ንምቅናስ ሰውነት ብጥዕናዊ ኣገባብ ክብደት ሰውነት ንኽንቅንስ ክሕግዘና ይኽእል።
ጸጸር ሓሞት ምስ ዝህልወና መዓስ ኢና ምስ ሓኪምና ወይ ናብ ሓኪም ስድራቤት ርክብ እንገብር?
።ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ከብድና ኣዝዩ ቡርቱዕ ቃንዛ ምስዝገብረልና
።ብሰንኪ ቃንዛ ሃዲእና ኮፍ ክንብል ምስዘይንኽእል።
።ጥርዓናት ናይ ቃንዛ ምስዝህልዉና
።ቃንዛን ተምላስን ምስዝህልወና
።ቃንዛን ረስኒን ምስዝህልወና
ምስ ሓኪምና(ሃውዛርትስ) ርክብ ክንገብር የድሊ።
ምንጪ: Eritreeërs Gezond