ኣፈኛ ቊጠባዊ ፖሊሲ ጸጋማይ ሰልፊ ኦላ ኣንደርሰን ሓላፍነት ምድኻም ባጤራ ክሮነር ዝስከም መንግስቲ ሉፈን እዩ ኢላ’ላ። መንግስቲ ነቲ መጠን ዝቕባበ ናብ 2 ሚእታዊት ናይ ምጒዳል ሸቶኡ ክገድፍ ድማ ጻውዒት ጌራ። ኣብ ኖርዲያ ዋና ስትራተጂስት ባጤራ ማርቲን ኤንሉንድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ መንግስቲ ብስጡም ኣታሕዛኡ ኣብ ሸመታን ጠለብን ዝነበረ ምንቅስቓስ ብምዝራግ ማእከላይ ባንክ ወለድ ንኸጒድልን ዝቕባበ ክፍጠርን ጌሩ ኢሉ።
ሓላፊ ትንታነ ባጤራ ካርል ሃመር ብወገኑ መንግስቲ ነቲ መጠን ዝቕባበ ናይ ምጒዳል ሸቶኡ ብምሕዳግ ኣብ ምዕባይ ወፍሪ ጠመተ ክገብር ጻውዒት ጌሩ’ሎ። ንብዙሓት ኣዋርሕ ባጤራ ሽወደን ብመንጽር ካልኦት ባጤራታት (ብፍላይ ዩሮን ዶላርን ) ምንቊልቋል ከርኢ ምጽንሑ ይፍለጥ።