ሚኒስተር ዕዮ ኢቫ ኖርድማርክ ንቤት ጽሕፈት ዕዮ ንምሕጋዝ ቅርብቲ ሙኻና ትሕብር። ካብቶም ኪትገብሮም ቃል ዝኣተወትሎም ድማ፡ ቤት ጽሕፈታት ቤት ጽሕፈት ዕዩ ከይዕጸዋን ፡ እንተትካኢሉ ድማ ዝተዕጽዋ ቤት ጽሕፈታት ምክፋትን እቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ተወሳኪ ባጀት ንመጻኢ ዓመት ክስለዓሉ ከምትጽዕዩ። ይኩንዳኣምበር ሓለፍቲ ጸጋማያዊ ሰልፊ በዚ ለበዋታታ እታ ሚኒስተር ኣይዓገቡን።
ንሶም እታ ሚኒስተር ካብዚ ንላዕሊ ኽትሰርሕ ከምዘለዋን እንተዘይኮይኑ ካብ ስልጣና ንምእላይ ኸምዝፍትኑ ይሕብሩ። ከምዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብዚ እዋን ኣብ ጸገም ከምዘሎዩ፡ ምክንያቱ ድማ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብዚ ዓመት ብጣዕሚ ውሑድ ባጀት ከምዝተሰለዓሉን፡ በዚ ድማ እቲ ቤት ጽሕፈት ገንዘብ ንምቁጣብ ብዙሓት ካብ ሰኣራሕተኛታቱ ካብ ስራሕ ከም ዘሰናበተን ብመንጽሩውን ብዙሓት ቤት ጽሕፈታቱ ከምዝዓጸወንዩ።