ዮናስ ኮስት፡ መራሒ ጸጋማይ ክንፊ ሰልፊ፡ መንግስቲ ነቲ ቤትጽሕፈት ዕዮ ካብ መንግስቲ ኪፈልዮ ንዝወጠኖ ሓሳብ እንተ ደኣ ስሒቡዎ፡ ኣብቲ ልዕሊ ሚኒስተር ዕዮ ኤቫ ኖርድማርክ ዚካየድ ናይ እምንቶ-ኣልቦ ድምጺ ምስቶም ኣኽረርቲ ኪጽምበር የፈራርህ። እቲ ሰልፊ ቅድሚ ውሳነ ምሃቡ ነቲ መንግስቲ ናይ ክልተ ሰሙን መሕሰቢ እዩ ሂቡዎ ዘሎ። እቲ መንግስቲ ስጉምቲ ምስ ዘይወስድ ምስቶም ኣኽረርቲ ክንድመር ኢና ይብል ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ። “ነቲ ተሪፉ ዘሎ ቤትጽሕፈት ዕዮ ተፍርስዮ ኣሎኺ ይብል። እዚ ተበግሶ ካብቶም ኣኽረርትን ጸጋማውያንን ብዙሕ ነቐፌታ ረኺቡ።
ጸጋማውያን፡ ነቲ ቤትጽሕፈት ተወሳኺ ዓቕምታት ኪወሃብን ናይ ሓቂ ጽገና ኪካየድን እዮም ዚሓቱ። ኣብዚ ተበግሶ’ዚ እቶም ኣኽረርቲ ሰልፊ ምስቶም ጸጋማውያን ሰልፊ ንኺተሓባባሩ ሓሳብ ኣለዎም። ናይ ሽወደን ደሞክራቲክ ሰልፊ መራሒ፡ ጂሚ ኤክሶን፡ ኣንጻር ኤቫ ኖርድማርክ ናይ እምንቶ-ኣልቦ ድምጺ ንምሃብ ዳርጋ ድሉው ምዃኑ ይገልጽ።.