ጸቕጢ፡ ኣብ ህይወትና ከጋጥም ንዝኽእል ክብታን ለጠቕታን ናይ ሞራል’ዩ። እዚ ክስተት ኣብ ገለ ሰባት ጸጸኒሑ ዝርአ ንቡር’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ሰባት ግን እቲ ናይ ቅዛነት መንፈስ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበረኸን እናዛየደን ክኸይድ ይኽእል። እዚ ስምዒት’ዚ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ምሳና ምስ ዝቕጽል ኣብ ልዕሊ ነብስና ጽልኣት ብምሕዳር ናብ ዘይተደልየ ስምዒታዊ ስጉምቲ ክመርሓና ዝኽእል ሕማም’ዩ። ነብስና ዋላ ሓደ ኣበርክቶ ክህልዋ ዘይክእል፡ ፋይዳ ዘይብላ ምስ ንሓስባ ጉዕዞና ብጸቕጢ ይምላእ። እንተዀነ፡ እዚ ዓይነት ሕማም ኣብ መብዛሕትኡ ሰብ ዋላ’ውን ኣብቶም ኣብ ህይወቶም ምሉእ ሓጐስ ይረኽቡ’ዮም ኢልና እንግምቶም ሰባት ከጋጥም ዝኽእል ክስተት’ዩ፡፡
ሕማም ጸቕጢ፡ ምልክት ድኻም ወይ’ውን ኣሉታዊ ጠባይ ዘይኰነ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ከጋጥም ዝኽእል ዓይነት ሕማም’ዩ።
ጸቕጢ ክስመዓካ እንከሎ ካብ ዘጋጥሙ ምልክታት
* ዝዀነ እትዝክሮ ሕማቕ ከየጋጠመካ እንከሎ፡ ምስ ነብስኻ ትሓርቕን ኣብ ነብስኻ ተገዳስነት ተጉድልን
* ሓይልኻ ይደክም
* ሕማም ስእነት ድቃስ የጋጥመካ
* ቃንዛ
* ሕማም ርእሲ
* ሕማም ስርዓተ – ምሕቃቕ መግቢ
* ክብደት ሚዛን ምውሳኽ ወይ ምጉዳል
* ሸውሃት ምዕጻው ወይ ብኣንጻሩ።
ጸቕጢ ኣብ ዝስምዖም ሰባት ዘጋጥም ናይ ሕማቕ ሓሳብ ምልክታት፡
መብዛሕትኦም ሓደገኛ ጸቕጢ ዝስምዖም ሰባት ከቢድ ስጉምቲ’ዮም ዝወስዱ። ነቲ ሓሳብ ቅድሚ ምትግባሮም ዝስምዖም ምልክታት ከኣ፡- * ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ሞት ኣልዒልካ ምዕላልን ምዝራብን * ንሰባት ምፍርራሕ ወይ ድማ ሓደጋ ከተውርድ ምድላይ
* ቅድሚ እቲ ነገር ምፍጻሙ ካብ ሰባት ክትክወል ወይ’ውን ክትሕባእ ምፍታን
* ልዕሊ ዓቐን መስተ ምስታይን የጠቓልል።
ሕማም ጸቕጢ ነየኖት ዓይነት ሰባት ዝያዳ የጥቅዕ?
እዚ ሕማም ክሊ ዕድመ ይኹን ጾታ ከይፈለየ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ሰብ ከጋጥም ዝኽእል ሕማም’ዩ። እንተዀነ፡ ገለ ተመራመርቲ ናይዚ ዓውዲ፡ ጸቕጢ ብተወርሶ ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል ይኣምኑ። ብተወሳኺ፡ ደቀንስትዮ ካብ ደቂ-ተባዕትዮ ብኽልተ ዕጽፊ በዚ ዓይነት ሕማም ከምዝጥቅዓ ይግለጽ።
ጠንቂ ሕማም ጸቕጢ ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ጠንቂ ሕማም ጸቕጢ እንታይ ምዃኑ ዝተበጽሐ የለን። ምኽንያቱ፡ እቲ ግዳይ ናይዚ ሕማም ከይተረፈ ይጭነቕ ከም ዘሎ ደኣ’ምበር፡ ኣየናይ ክፋል ሰብነቱ የጨንቖጠንቂ ሕማም ጸቕጢ ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ጠንቂ ሕማም ጸቕጢ እንታይ ምዃኑ ዝተበጽሐ የለን። ምኽንያቱ፡ እቲ ግዳይ ናይዚ ሕማም ከይተረፈ ይጭነቕ ከም ዘሎ ደኣ’ምበር፡ ኣየናይ ክፋል ሰብነቱ የጨንቖ ከም ዘሎ ብልክዕ ክገልጽ ኣይክእልን’ዩ። ገለ ኣብዚ ዓውዲ ዝመራመሩ ክኢላታት ከምዝገልጽዎ ግና፡ ኣብ ሓንጐልና ናይ ዝርከቡ ቀመማውያን ባእታታት ኒዩትሮ ትራንስሚተር ምዝባዕ ወይ’ውን ምዕሩይነት ብዘይምህላው ከም ዝኽሰት ይኣምኑ። እንታይ ምስኰኑ’ዮም ግን፡ እዞም ኣብ ሓንጐልና ዝርከቡ ኬሚካላት ምዝባዕ ዝፈጥሩ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ከኣ ግድን ይኸውን። ኣብ ሓንጐልና ብዘይርደኣና ምኽንያት ዝኽሰት ኣዕናዊ ስንባደ፡ ምኽሳር እተፍቅሮ ሰብ፡ ዓመጽ፡ ምስኣን ስራሕ፡ ብዝሒ ኣልኮልን ናይ ሆርሞን ምልውዋጥን ካብቶም ዝጥቀሱ ጠንቂ ምዃኖም ተመራመርቲ ይገልጹ።
ከመይ ገይርና ካብ ሕማም ጸቕጢ ንገላገል ክኢላታት ናይዚ ዓውዲ ካብ ዘቐመጥዎም ነጥብታት ድማ፡-
* እቲ ብቐዳምነት ክውሰድ ዝግብኦ ስጕምቲ ናብ ሰብ ሞያ ብምኻድ ክትፍወስ ምኽኣል’ዩ
* ስሩዕ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር
* ምስ ዘቤታውያን እንስሳታት ምምሕዛው
* ቤተ-ሰባዊ ሓገዛት ምሕታትን ምስ ስድራ-ቤት ጥቡቕ ጥምረት ምህላውን
* ጽቡቕ ራኢ ክህልወካ ምፍታን፡ ገለ ካብቶም ሓገዝቲ ኣገባባት ምዃኖም ሰብ ሞያ’ዚ ዓውዲ ኣጥቢቖም ይመኽሩ።