መንግስቲን ሰልፊ ዴሞክራሲን ሽወደን ጸሞቕቲ ወይኒ ብቐጥታ ንዓማዊሎም ኣብቲ ዝፈርየሉ ቦታ ዝካየድዎ መሽጣ ኣልኮል
ኣመልኪቱ ዝጸንሐ ተሪር ሕጊ ከፍኲሱ ድሌት ከም ዘለዎም፡ መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኤባ ቡሽ ን ጋዜጣ ስቨንስካ
ዳግብላዴት ገሊጻ። በዚ ድማ መሸጣ ሕርሻ ወይ ድማ “ጋርድፎርሳሊን” ኣብ ቀረባ ግዜ ሕጋዊ ክኸውን እዩ።
"ኣብ ሽወደን ብ ቢዝነስ መሸጣ ወይኒ ዝናበር የለን። ምኽንያቱ ልዑል ቀረጽ ኢና ንኸፍል። እንተኾነ ግና እዚ ምልዓል እገዳ
እንድሕር ተግባራዊ ኮይኑ ኣታዊና ብ 10% ክዓቢ ይኽእል እዩ" ክብል ኣብ እኩባት ደሴታት ስቶክሆልም ጾማቚ ወይኒ ዮሃን ዛሌ
ገሊጹ።