ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ብናይ ዓመታት ኲናት ዝተሃስዩ ማሕበረሰብ፡ ኣመንቲ ክርስትና ሜሶፖታምያ፡ ክበጽሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ነቶም ብናይ ዓመታት ኲናት ዝተሃስዩን መበቆል ምብራቓዊ ክርስትና ዝኾኑ ማሕበረ ሰባት ክበጽሑ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ ናብ ዒራቕ ገጾም ኣምሪሖም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፋ 20 ዓመታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ኣመንቲ ክርስትና፡ ብሰንኪ ዕግርግር፡ ካብቲ ቦታ ለቒቖም እዮም።
ዒራቓውያን ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና፡ ኣብ ታሪኽ ክርስትና ዝነበሮም ተራን ካብ ቅድሚ 4000 ዓመት (ስልጣነ ሞሶፖታምያ) ዝጅመረ ባህላውን ልሳናውን ሓድጊታቶምን ኣፍልጦ ዝህብ ብምዃኑ፡ ምብጻሕ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ዓቢ ትርጒም ዘለዎ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ይገልጹ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ዒራቓውያን ኣመንቲ ክርስትና፡ ብጉጅለታት ኣልቃዒዳን ዳዕሽን ድሕሪ ዝወረዶም ግፍዒ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት፡ ናብ ስደት ኣብ ልዕሊ ምምርሖም ህላዌ ናይቲ ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ምህላዉ ይግለጽ። ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ባቕዳድ፥ ሞሱልን ቃራቆሽን ዝርከቡ ክርስትያናት ክበጽሑ እዮም።