ኣቦ ሃገረ ዛምቢያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኬነት ካውንዳ ኣብ ደሓን ኲነታት ጥዕና ከም ዝርከብ ናይ ቀረባ ምንጪታት ን ቢቢሲ ሓቢሮም።
ካውናዳ ብሰሉስ ብ ረኽሲ ሳንቡእ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ ክሕከም ድሕሪ፡ምጽናሕ ሎሚ ናብ ቤቱ ክፋኖ ምዃኑ ንቢቢሲ ተሓቢርዋ ኔሩ። እንተኾነ ግና ሃንደበት ሎሚ ወጋሕታ ናብ ኣሻቓሊ ኲነታት ከም እተቐየረ ተፈሊጡ።
ዛጊት ብገዛእ ርእሱ እኳ የተንፍስ እንተሃለወ ዕድሜኡ ኣብ ግምት ብምእታው ኲነታቱ ከም ዘተሓሳስብ ምንጪታት ሓቢሮም ኣለዉ። ፕረሲደንት ዛምቢያ ኤድጋር ሉንጉን ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ራማፎዛን ህዝቢ ኣብ ጸሎቱ ክዝክሮ ጻውዒት ጌሮም ኣለዉ።
97 ዝዕድሜኡ ካውንዳ ካብ ዓመታት 1964-1991 ን ዛምቢያ ከም ዝመርሓ ዝፍለጥ እዩ። ካብቶም ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣንጻር መግዛእቲ ኣውሮጳ ዝተቓለሱ ሒደት ብህይወት ዘለዉ ሰባት ምዃኑ እውን ይንገረሉ።