ኦብስተሪክስን ጋይናኮሌጂን ኣብ ዝተባህለ መጽሔት ዝተሓትመ ዛንታ ሓንቲ ጓል 62 ዓመት ዝዕድመኣ ብልዕታ ዝነደደት ኣደ ድሕሪ ምሕታሙ’ዩ እቲ መጠንቀቕታ ወጸኡ።
እታ ቃንዛን ሕማምን ዝልቀት ማህጸን ክትፍውስ ሃፋ ውዑይ ማይ ክትጥቀም ክትብል ሕፍረታ ዝተቓጸለት ኣደ፡ “ነቲ ቐዳማይ ጸገማ ብወጌሳ ሕክምና ክትፍውሶ ምኽኣለት ነይራ” ክብሉ ኪኢላታት ርእይቶኦም ሂቦም።
ደቀንስትዮ ካብ ረኽሲ ማህጸን ክፍወሳ፡ ከም ጡሽ፡ ሃፋ ውዑይ ማይ ክበውኣ እንከለዋ ስለ ዝነደዳ እዩ እቲ ዛንታ ኣብ ኣብ መጽሔት ወጺኡ።
ሃፋን ዝተፈለላየ ጨና ዘለዎም ዕጸዋት ንጥዕና ጓለንስተይቲ ጽቡቕ እዩ ስለ ዝበሃል፡ ከኣ እዩ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለምና ሳሎን ጥሽን ሃፋ ማይ ውዑይን ፈቐድኡ በዚሑ ዘሎ።
ኣብ 2010 ሎስ ኣንጀሎስ ታይምስ ዝተባህለ መጋዝን፡ ብዛዕባ ሃፋ-ጥሽ ምስጸሓፈ’ዩ ኣብ ዓለም እቲ ቢዝነስ ተዘርጊሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ቺሪስይ ተይገን ዝተባህለት ኣመሪካዊት ኣብ ሃፋ ማይ እናቦአት ዘርኢ ምስላ ምስ ዘርገሐት እቲ ዕዳጋ መሊሰ ኣስፋሕፊሑ።
እቲ ምብዋእ ጥሽን ሃፋን፡ ንረኽሲ ማህጸንን ርሕምን ዝፍውስ ፍቱን ባህላዊ መድሃኒት ምዃኑን ህዝቢ ኤሽያን ኣፍሪቃን ብሰፊሑ ከም ዝጥቀመሉን ዝሕብር መወዓውዒ መደባት ምስ ተዘርገሐ እቲ ዕዳጋ ዓብዩ።
እቲ “ዮኒ – ስቲሚንግ” ዝበሃል ምባእ ሃፋ ውዑይ ማይ፡ ንርሕሚ የጽርን የንጽህን’ዩ ይበሃል እዩ’ሞ ግን ማዕረ ክንደይ ሳይንስ ከም ዝድግፎ ገና ኣይተረጋገጸን።
ስለ ዝኾነ፡ ተመራመርቲ ዛጊት ጭቡጥ ሳይንሳዊ መረጋገጺ ስለ ዘይተረኽቦ ጥንቃቐ ከም ዘድሊ ክነግሩ ጸኒሖም ኣለው።
ጥሽን ሃፋ ውዑይ ማይን ቃንዛ ጽግያት ንምህዳእ ኮነ ንመፍረ ይሕግዝ እዩ ዝበሃል ዘረባ እኳ እንተጸንሐ ንሓቅነቱ ብዝምልከት ገና ብዙሕ ምርምር ከም ዘድልዮ ሊቃውንቲ የረድኡ።
ኤርትራዊት ሳራ ብርሃነ፡ ” ኣዴታትና ንጡሽ ከም ንጽህና እየን ስለ ዝርእየኦ ኣብ ሕብረተሰብና ባህሊ ኮይኑ እዩ።
ምናልባት እቶም ሊቃውንቲ ነቲ ጉዳይ ብዕምቆት ኣጽኒዖም ውጺኢቶም ምስ ነገሩና ዝብሉዎ ንሰምዕ። እቲ ጉዳይ ግን በዛ ብሃፋ ማይ ውዑይ ዝነደደት ኣደ ጥራሕ ክረአ ግን ርትዓዊ ኣይመስለንን” ትብል።
ዶክተር ቨነሳ ማካይ ኣማኻሪትን ኣፈኛን ናይ ሮያል ኮሌጅ፡ ሊቃውንቲ ምውላድ ሓኪም ሕርሲ (Obstetricians) ኮነ ኪኢላ ስነ-ተግባራትን ሕማምን ደቀንስትዮ (Gynaecologists) ርሕሚ ልዑል ጽሬትን ክንክንን የድልዮ እዩ ዝበሃል ዘረባ ዝተጋነነ እዩ ኢላ።
እቲ ግዳማዊ ኣካል ርሕሚ ብዝኾነ ጨና ዘይብሉ ሳምና ምሕጻብ እኹል’ዩ ከኣ ትብል። ርሕሚ ደቀንስትዮ፡ ንሕማምን ረኽስን ዝከላኸል ባህሪያዊ ነዝዒ የመንጩ እዩ።
እዚ ነዝዒ እዚ ብሃፋ ውዑይ ማይ ክመዛበልን ኣይግባእን እዩ። እቲ ማያዊ ሃፋ ነቲ ረቂቕ ከናፍር ርሕሚ እውን ክጎድኦ ይኽእል እዩ።
ብዙሓት ሓካይም፡ መታን ንቕሓትን ኣፍልጦን ሰባት ክዓቢ ንዛንታ ናይታ ሃፋ-ማይ ክትበውእ ሕፍረታ ዝነደደት ኣደ ናብ ኩሉ ዘርጊሖሙዎ እዮም።
ዶር ፊሊፓ ካያ ” ኣብ ርሕምና ክንገብሮ ዘይግባእ ነገራት’ዩ” ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ኣላ።
ቨነሳ ቻልመርስ ዝተባህለት ካልእ ጓለንስተይቲ እውን ንዛንታ እታ ሕፍረታ ዝነደደት ጓል 62 ኣደ ብዝምልከት ” ክግብር ዘይግበኦ” ብማለት ርእይቶኣ ሂባ።
ናኦሚ ሳተን ዝተባህለት ካልእ ወሃቢት ርእይቶ ከኣ ” ስለምንታይ እዮም ሰባት ንምባእ ሃፋ ማይ ካብቲ ዝግበኦ ንላዕሊ ዘጋንንዎ” ክትብል ተዛሪባ።
ኣብ እዋን ሕርሳ ጥሽ እትበውእን ኣብ ካልእ እዋን ሳውናን እስቲምን እትጥቀም ናጽነት ኢሳይያስ ብወገና፡ “ሓደጋ መሰጋጠመ ምኽንያትን ነገራትን ክምርመር ባህሪያዊ እዩ። ኹሉ እትገብሮ ነገር ግን ብጥንቃቐን በቲ ኪኦላታትን ምኩራትን ዝሓብሩኻ ኣገባብ ክትግበር ኣለዎ” ብምባል ምኽራ ትልግስ።
ብውልቃ ግን ስቲም ኮነ ጥሽ ባህታ ከም ዝህባ እያ ትገልጽ።
ነቲ ዓንቀጽ ኣብ መጽሔት ዝጸሓፈት ዶር ማጋሊ ሮበርት፡ እታ ብባህላዊ ቻይናዊ ሓኪም ሃፋ ማይ ክትበውእ ተነጊራ ንኽልተ መዓልታት ዐዕስራ ደቒቕ ምስ በውአት ርሕማ ነዲዳ ኣብ ክፍሊ ኢመርጀንሲ ከም ዝመጽአት እያ ትዛረብ።
እታ ኣብ ካልጋሪ፡ ኣብ ሆስፒታል እተሰርሕ ዶክተር ሮበርት እቲ ብሳይንስ ዘይተደገፈ ሕክምና ምባእ ሃፋ ማይ ብኣፍን ብኢንተርነትን ይዝርጋሕ ብምህላው ሳዕቤን ከምዘኸተለ ኣረዲኣ።
ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ ከኣ ሰራሕተኛታት ሕክምና ንደቀንስትዮ ሳዕቤን እቲ ብወረ ወረ ዝዝርጋሕ ዘሎ ምባእ ሃፋ ውዑይ ማይ ክነግሩወንን ክመኽሩወንን ኣተሓሳሲባ።
ምንጪ: bbc tigrinya