ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራቤት ግዳይ ሕማም ረሲዕ ዝኾነ ሰብ እንተሃልዩ፡ ጥዑይ መነባብሮ እንተድኣ ተኸቲሉ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ከጋጥሞ ንዝኽእል ናይ‘ቲ ሕማም ሓደጋ ከጉድል ከም ዝኽእል ውጽኢት ምርምር ኣመልኪቲ።
ብመሰረት’ቲ ኣብ ኣስታት 200,000 ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ሓደጋ ብሓደ ሲሶ ነኪዩ።
እቶም ውጺኢታት መጽናዕቲ ዘሕጉሱን ዘበራትዑን ከም ዝኾኑ ተገሊጹ’ሎ። “ሰባት ድማ ኣብ ሕማም ረሲዕ ኣይክሽመሙን’ዮም” ኢሉ እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ተመራመርቲ ኤክሰተር ዩኒቨርሲቲ።
ውጽኢታት ናይ’ቲ መጽናዕቲ ኣብ ዓለማዊ ኣኼባ ማሕበር ኣልዛይመር’ዮም ተቓሊሖም።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ፣ ምምጋብ ፍሉይ መግቢ [ዳየት]፣ ኣልኮላዊ መስተን ምትካኽ ሽጋራን ተመርኲሶም ነቶም ምርምር ዝተገብረሎም ሰባት ነጥቢ ሂቦሞም።
እዚ ዝስዕብ መግለጺ ናይ ሓደ ጽቡቕ ነጥቢ ዘመዝገበ ሰብ`ዩ
- ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ኣየትክኽን ዘሎ
- ኣብ ሰሙን ንኽልተ ሰዓትን ፈረቓን ብልሙድ ፍጥነት ብብሽክለታ ይንቀሳቐስ
- ዝተመጣጠነ መግቢ ይምገብ፡ ንኣብነት ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ብጽሒት ፍሩታን ኣሕምልትን፡ ኣብ ሰሙን ድማ ክልተ ጊዜ ዓሳ ይምገብ፡ ኣብ ፋብሪካ ዝተሰርሐ መግቢ ግን ሳሕቲ`ዩ ዝምገብ
- ኣብ መዓልቲ ኣስታት ፍርቂ ሊትሮ ቢራ ይሰትይ
ዘይጥዑይ መነባብሮ`ኸ?
- ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ብስሩዕ ሽጋራ የትክኽ
- ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣይገብርን
- ኣብ ሰሙን ካብ ሰለስት ብጽሒት ንታሕቲ ፍሩታን ኣሕምልትን፡ ኣብ ሰሙን ድማ ክልተ ወይ ሰለስተ ብጽሒት ኣብ ፋብሪካ ዝተሰርሐ ስጋን ቀይሕ ስጋን ይምገብ
- ኣብ መዓልቲ እንተዋሓደ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን ቢራ ይሰትይ።
ንምትግባሩ ክሳብ ክንደይ ቀሊል`ዩ?
ነባሪት ኤክተር ዝኾነት ጓል 62 ዓመት ሱ ተይለር ኣብ ቤተሰባ ንዝወርድ ሳዕቤን ሕማም ረሲዕ ርእያ`ያ። ኣዴኣን ዓባያን በቲ ሕማም ይሳቐያ ነይረን።
ንሳ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ጊዜ ኣብ መናፈሲ ቦታ [ፓርክ] ምንቅስቓስ ትገብር። ዋላ ኣብ`ቲ ዝሑል ናይ ክረምቲ ወቕቲ እንተኾነ`ውን ኣይተቋርጾን። ስራሕ ቅድሚ ምእታዋ ድማ ን45 ደቓይቕ ብእግራ ትጓዓዝ።
“ብዙሕ ጻዕሪ`ዩ ዝሓትት። ክትሓስበሉ`ለካ ኣብ ሂወትካ ከምዝወሃሃድ ድማ ክትገብሮ`ለካ” ትብል ንሳ።
እንተኾነ ግን ናይ ግድን ክግበር ዘለዎ`ዩ፡ ብፍላይ ድማ ንጥቕሚ ደቂ ደቃ።
“ብዝተኻእለ መጠን ሓንጎለይ ንዝነውሐ እዋን በሊሕ ኮይኑ ክቕጽል ክገብሮ ኣለኒ። ደቂ ደቀይ ብኣካል ይኹን ብኣእምሮ ኣቦሓጎኦምን ዓባዮን ክስእኑ ኣይደልዮምን`የ” ድማ ትብል።
እሞ ኩነተ–መነባብሮ ክሳብ ክንደይ ለውጢ የምጽእ?
እቲ መጽናዕቲ ንልዕሊ 64 ዓመት ዝዕድሚኦም 196,383 ሰባት ንሸሞንተ ዓመታት ተኸታቲልዎም። ንዲ ኤን ኤ ናይ`ቶም ሰባት ብምትንታን ድማ በቲ ሕማም ናይ ምትሓዞ ተኽእሎ መፈጠራዊ ሓደጋ [ጀነቲክ ሪስክ] እንተሃልይዎም መርሚሩ።
ብመሰረት`ቲ መጽናዕቲ፡ 18 ካብ ሓደ ሽሕ ሰባት ልዑል ናይ ‘ጀነቲክ ሪስክ’ እንተዝነብሮም`ሞ ዘይጥዑይ ኩነተ-መነባብሮ ዝመርሑ እንተዝነብሩ ብሕማም ረሲዕ ምተጠቕዑ ነይሮም።
እቶም ሰባት ጥዑይ መነባብሮ ዝመርሑ ነይሮም ኣንተዝኾኑ ግን 11 ሰባት ጥራይ በቲ ሕማም ምተጠቕዑ ነይሮም ኢሉ`ቲ መጽናዕቲ።
ዓቢ ፍልልይ‘ዶ ኣይመስልን?
እቲ ኣሃዝ ውሑድ ክመስል ይኽእል`ዩ፡ ኣብ ጉዳይ ሕማም ረሲዕ ግን እቶም ኣብ ሱሳታት ዕድመ ዘለዉ ሰባት ብተዛማዲ ንኣሽቱ`ዮም።
መጠን ረሲዕ ኣብ ክሊ`ዚ ዕድመ`ዚ ብሓደ ሲሶ ምቕናስ እንተተኻኢሉ ኣብ’ቶም እቲ ሕማም ብብዝሒ ዝራኣየሎም ካብ’ኡ ንላዕሊ ዝዕድመኦም ሰባት ኣዝዩ ዓቢ ድርኺት ምሃለዎ ይብሉ`ቶም ተመራመርቲ።
“ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ምደሓኑ ነይሮም ማለት’ዩ” ኢሉ ዶ/ር ዴቪድ ለወሊን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።
እዚ ከምዚ ዓይነት መጽናዕቲ ግን ኩነተ-መነባብሮ ኣብ ሕማም ረሲዕ ዝተፈላለየ ሳዕቤን ኣለዎ ኢሉ ብጭቡጥ ከረጋግጽ ኣይክእልን`ዩ። ነቶም ኣሰራርዓታት ናይ ሓበሬታታት/መረድስእታታት ጥራይ`ዩ ዘስተብህለሎም።
እቲ ውጽኢት ግን ምስ`ቶም ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ ምርምራትን ምኽሪ ውድብ ጥዕና ዓለምን ይሰማማዕ’ዩ።
ምንጪ: bbc tigrinya