ካብዚ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ንጥሮተኛታት ግብረ ብምንካይ ተወሳሒ ገንዘብ ን መሸፈኒ ውጻኢታት ክራይ ገዛ ካልእ ክወሃቦም ሙዃኑ ይሕበር። እዚ ማለት ጥሮተኛታት 17000 ክሮነር ወርሓዊ ኣታዊ ዝነበሮም ዝኸፍልዎ ዝነበሩ ግብሪ ብምጉዳል ተወስኺ ገንዘብ ክህልዎም ሙዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ብተወስኺ እውን ጥሮተኛታት ተወሳኺ 7 ሽሕ ክሮነር ክወሃቦም ሙዃኑን እዚ ድማ ንገዛ ክራይ ኣብ ምሽፋን ክሕግዞም እዩ። መንግስቲ እውን ብወገኑ ነቶም ትሑት ክፍሊት ጡሮታ ዘለዎም ሰባት ወርሓዊ 200 ክሮነር ከምዝሕግዞም ሓቢሩ።