ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፥ ጠፈርተኛ ሽወደን ናብ ኣህጒራዊ መደበር ጠፈር ክለኣኽ ምዃኑ፥ ሚኒስተር ትምህርቲን ጠፈርን ሽወደን
ማትስ ፐርሾን ሓቢሩ። ሽወደን፥ ኣብ ኣህጒራዊ መደበር ጠፈር ናይ ገዛእ ርእሳ ጠፈርተኛ ንኽህልዋ፡ መንግስቲ ነዚ ናይ ጠፈር
ፕሮጀክት ናይ 200 ሚልዮን ክሮና ሓገዝ ጌሩ’ሎ።
"ነዚ ናይ ጠፈር ተልእኾ ክዉን ንምግባር፥ እዚ ዕድል ብምርካብና ኣዚና ተሓጒስና ኢና ዘሎና። እዚ ብርግጽ ዓብዪ ዕድል እዩ”
ክብል ኣብ ሃገራዊ ኤጀንሲ ጠፈር ዳይረክተር ምርምርን ልምዓትን ጠፈር ዮሃን ኾህለር ገሊጹ’ሎ። ጽላት ጠፈር ኣብ ዝሓለፈ
ዓመታት ኣዝዩ ቅልጡፍ ለውጢታት ምግባሩ ዝገለጸ ኾህለር፡ ን ሸወደን ዝኸውን ሓድሽ ዕድላት ምኽፋቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ምዃኑ
ኣስሚሩሉ።
ኣብዚ ሰሙን፥ ኤጀንሲ ጠፈር ሽወደን ናብ ኣህጒራዊ መደበር ጠፈር ሽወደናዊ ጠፈርተኛ ንምልኣኽ፥ ምስ ኤጀንሲ ጠፈር ኣውሮጳ
ናይ ውጥን ደብዳበ ኣብ ኮሎራዶ፡ ሕ/መ/ኣመሪካ ከቲማ’ላ። እዚ ፈለማይ ስጒምቲ እዩ ዝበለ እቲ ዜና፡ እዚ ንኽጸድቕ ብኣካላት
ኣህጒራዊ መደበር ጠፈር ደገፍ ክረክብ ከም ዝግብኦ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።