ብምኽንይት ኣብ ሩስያ እተጻዕነ እገዳ ጠለብ ኦም ሓርከም ሽወደን ኣዝዩ ምውሳኹን በዚ ድማ ኲባንያታት ሽወደን መኽሰበን ምስሳኑን ይግለጽ ኣሎ።
ሩስያ ዝዓበየት ኣቕራቢት ጥሑን ውጽኢት ዕንጸይቲ ምንባራን ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ተጻዒኑ ዘሎ እገዳታት ኣውሮጳውያን ሸመትቲ ካልእ ዕዳጋታት ሃሰው ኣብ ምባል ከም ዝርከቡን ዝፍለጥ እዩ። ብፍላይ ክሳብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ኢንድስትሪ ኦም ሓርከም ሽወደን ጸቕጢ ዝፈጥር ጠለብ ክሁ ከም ዝኽእል ብዓርቢ ዝወጸ ጸብጻብ ወንኒ ሳምዊል ክላስ ኣንደርሾን ኣመልኪቱ። ኣብ ሽወደን ብምኽንያት እዚ መኽሰብ ኦም ሓርከም ንምሻጥ ዓብዪ ድሌት ከም ዘሎ ኣንደርሾን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።