ጓል 28 ዓመት ነፍሰ ጾር ብዘስካሕክሕ ጭካኔ ዝቐተለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ወንጀለኛ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እዚ መቕተልቲ ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ቊጠዐ ፈጢሩ ፕረሲደንት እታ ሃገር መደረ ከስምዕ ደሪኹ እዩ።
ሬሳ መዋቲት ሸጎፋሶ ፑለ ኣብ ገረብ ተንጠልጢሉ እዩ ተረኺቡ። ብርክት ዝበለ ክፋል ኣካላታ ብስሕለት ከም እተወግአ ድማ ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ።
31 ዝዕድሜኡ ክሱስ ሚዚካዪሰ ማሌፋን ነቲ ገበን ምፍጻምጅ ቃልይ ን ቤትፍርዲ ጆሃንስበርግ ሂቡ’ሎ። ንሱ ነዚ ቅትለት ዝፈጸምኩዎ ናይ ቀደም ኣፍቃሪኣ ብገንዘብ ስለ ዝስድዓኒ እየ ኢሉ።
ክሱስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘሎ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ።
ንሱ ነቲ ቅትለት ንኽፍጽመሉ ካብ ናይ ቀደም ኣፍቃሪኣ ራንድ 7000 (480$) ክወሃቦ ቃል ከም እተኣትወሉ እንተኾነ ግና ምእባዩን ድሕሪ ብዙሕ ዋጋ ዕዳጋ ብ 70ሽሕ ራንድ ( 4800 ዶላር ) ነቲ ቅትለት ክውዕሎ ምስምማዑን ጠበቓ መለፋን ገሊጹ።
ሸጎፋሶ ጥንስቲ 8 ወርሒ እናሃለወት እያ ብ 4 ሰነ ሃንደበት ተሰዊራ።