ጓል ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ንርእይቶ ብሪጣንያዊት ሞዴል ኖኣሚ ካምቤል፡ ወጊዛቶ።
ኖኣሚ ካምቤል፡ ዙማ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምፍልላይ ንኽህሉ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ኣብ ኢንስታግራም ፈንያ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ። ዙማ ኣብ ክንዲ ጻውዒት ቤት ፍርዲ ኣኽቢሩ ብግዜኡ ዝርከብ፡ ስነምግባርን ሓላፍነትን ብዝጎደሎ ኣገባብ ነቲ ጒዳይ ምሓዙ ነቲ ሕጂ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትያቶ ዘላ ዕግርግርን ምፍልላይን ምኽንያት ኮይኑ እዩ ክትብል ወቒሳቶ እያ።
ጓል ዙማ፡ ጃቡ፡ ብወገና ካምቤል፡ ኣብ ጒዳይ ዙማ ክትዛረብ ብቕዓት የብላን ክትብል ነቲ ወቐሳ ውዱቕ ጌራቶ’ላ። ኣቦይ ንዴሞክራሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ እዩ ዝበለት ጃቡ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ብሰንኪ ብልሹው ምምሕዳር ሲሪል ራማፎሳ ስራሕ ኣልቦ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ እዚ ዕግርግር ምስ ማእሰርቲ ኣቦኣ ምንም ዘራኽብ ከም ዘይብሉ ኣመልኪታ።