ቤተልሄም ኢሳቕ፡ ጓሉ ነቲ ንልዕሊ 19 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝርከብ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ፡ ዳዊት ኢሳቕ፡ ኣቦኣ ብሂወት ከምዘሎ ኣረጋጊጻ ክብል መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ።
ዳዊት ኢሳቕ፡ ኣንጻር ሃገራዊ ድሕነት ገበናት ፈጺምካ ብዝብል ክሲ፡ ንልዕሊ 19 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ዳዊት ኢሳቕ፡ ብሂወቱ ከምዘሎን፡ ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካበይ ከምዝረኸበቶ ክትሕብር ዘይደለየት ቤተልሄም፡ ነቲ ሓበሬታ ብመንገዲ “ ድምጺ ዘይብሉ ዲፕሎማሲ” ረኺበዮ ክትብል ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝካየደቶ ርክብ ገሊጻቶ።
ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ እትከታተል “ብናይ ሓገዝ ኮሚቴ” እትፍለጥ ኣካል ድማ ብሂወቱ ከምዘሎ ኣረጋጊጻ ኣላ።
ጋዜጠኛን ደራስን ዝኾነ ዳዊት ኢሳቕ፡ ኣብ 1964 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ፡ ኣብ 1985 ድማ ናብ ሽወደን ኣትዩ ብ1992 ድማ ናይ ሽወደን ዜግነት ዝረኸበ እዩ። ሃገሩ ናጽነታ ምስ ረኸበት ድማ ኣብ 2001 ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ንፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፡ ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ዝነቅፍ ዓንቀጽ ጽሒፉ ከምዝነበረ ይዝከር።
ዳዊት ኢሳቕ፡ ብዕለት 23/09/2001 ካብ ገዝኡ ተወሲዱ ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ክሳብ ሎሚ ዕለት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ከምዘሎ Reporters Without Borders ሓቢሩ።
ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ንምቅላል ወይ ድማ ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ ብወግዓውያን ሰብ መዚ ሽወደንን ካልኦት ኣህጉራውያን ውድባት ዝተገረ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ብዘይ ፍረ ከምዝተረፈን በኣንጻሩ ኣብቲ ሽዑ እዋን እቲ ፕረዚደንት ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ “ብዛዕባ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሕ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ድማ ምስ ሽወደን ዘዛርብ ጉዳይ የብልናን” ክብል ወግዓዊ መግለጺ ከምዘውጸአ ይዝከር።