ሃገራዊ ፖሊስ ሽወደን ነቲ ብባይቶኣውያን ሰልፍታት ዝቐረበ ጒጅለኣዊ ገበናት ንሓዋሩ ንምዕጋት ተባሂሉ ንዝቐረበ ህጹጽ ዘተ ብሓጐስ ተቐቢልዎ። እዚ ዘተ ሓላፊ ዓቃባዊ ሰልፊ ክሪስተርሰን ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝገበሮ ጻውዒት ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምፐሪ ዝተዳለወ እዩ። ይኹን’ምበር መንግስቲ ንሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ሳፋርያ ዴሞክራት ካብዚ ዘተ ኣጊድዎ’ሎ። “ንሓጺርን ንነዊሕን ዝጠመተ ዘተ ከነካይድ ግዜ ዝጠልቦ ጒዳይ እዩ። ብሓባር እንተወፊርናሉ ፍታሕ ክንረኽበሉ ዘጸግም ኣይኮነን” ድማ ኢሉ’ሎ።
ፖሊስ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኲነታትን ጽንኲር ገበናዊ መጥቃዕቲ ይወርዶምን ምህላው ድማ ወሲኹ ገሊጹ። ፖሊስ ካብቲ ዝተመደበሎም ስራሕ ብተወሳኺ ብዙሕ ዕዮ ይዓዩ ምህላዎም ብምምልካት ድማ ብዝሕ ዝበለ ማል ክምደበሎም ከም ዝግባእ ተላብዩ’ሎ። ፖሊስ ዓመታዊ ልዕሊ 60 ሽሕ ናይ ዝኾኑ መስተ ሰትዮም መኪና ናይ ዝዝውሩ ሰባት ጒዳይ፥ ጒዳይ ዝጠፍኡ እንስሳታትን ሕማም ኣእምሮ ብዘለዎም ሰባት ምዝርራብን ዘጠቓልል ኣዝዩ ብዙሕ ዕማም ከም ዘሳልጡ ዝፈልጡ ብዙሓት ኣይኮኑን ድማ ኢሉ።