ኣብ ዝመጽእ መስከረም ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ንዞባዊ ቆንስላት ዝወዳደሩ ዘለዉ ቀንዲ ሕጹያት ሰልፊታት ፖለቲካ፡ ምድንፋዕ ቊጽሪ ሰብ ሞያ ጥዕና ዋና ቀዳምነቶም ምዃኑ፡ ሬድዮ ሽወደን ዘካየደቶ ዳህሳስ ኣመልኪታ። ኲሎም 176 ሕጹያት፡ ነቲ ዳህሳስ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ 75% ካብኣቶም ጒዳይ ሰብ-ሞያ ህዝባዊ ጥዕና ቀንዲ ዛዕባኦም ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣለዉ። እዚ ኲነታት ብኸመይ ክመሓየሽ ይኽእል፡ ኣብ ዝብል ሕቶ፡ ካብ ልዑል ደሞዝ ክሳብ ዝለዓለ ናይ ሞያ ዕድላት ዝብሉ እማመታት ቀሪቦም ኣለዉ–ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን።