ኣብ እስራኤልን ቓዛን ናይ ሮኬትን ኣየርን መጥቃዕቲ፡ ንሻብዓይ መዓልቱ ከም ዝቐጸለን፡ ቊጽሪ መወትቲ ድማ ናብ 200 ከም ዝዓረገን፡ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ኣባይቲን ህንጻታትን ይዓንዉ ኣለዉ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።
ብፍላይ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት፡ ዝበዝሐ ቊጽሪ ሮኬታት ከም እተወንጨፈ ሰብ መዚ ሰራዊት እስራኤል ገሊጾም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር፡ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ሰብ መዚ ቓዛ ይሕብሩ።
ክሳብ ትማል ሰንበት፡ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ 10 እስራኤላውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ቓዛ ኸኣ 188 ፍልስጤማውያን ግዳያት ሞት ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ኣብ ፓሪስ፡ ሎንዶንን ካልኦት ኤውሮፓውያን ከተማታትን ንፍሌስጠማውያን ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፍታት ከም ዝተኻየደን፡ ኣብ ሽወደን ድማ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ማልመን ዮቶቦሪን ተመሳሳሊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ንምርህዳእ፡ ኣሜሪካ፡ ትሰርሓሉ ኣላ ክብል ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ምግላጹ ማዕከን ተተ ሓቢሩ።