Skip to content
- ማን ዩናይትድ ዝሓለፈ 6 ተኸታታሊ ጸወታ ብምዕዋታ ዝልዓለ ኢድ ሒዛ ትርከብ።
- ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ መሓመድ ሳላሕ ብ 17 ሸቶታት ን ኣብ ኣብሞያንግ ኣኸቲሉ ብብዝሒ ሸቶታት ይመርሑ።
- ሊቨርፑል ኣብ 13 ጸወታታት ሸቶ ከይተመዝገባ ኣብ ሰለዳ ፕርመር ሊግ ብመሪሕነታ ትቕልሶ።
- ሊቨርፑል ዝወሓደ ሸቶ ዝተመዝገባ ክለብ ማለት 13 ሸቶታት ኽትከውን ከላ ማን ሲቲ ብወገና ዝበዝሔ
62 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
- ኤደን ሃዛርድ ብ 10 ንሸቶ ዝኾና ኩዓሳሱ ብምቕራብ በይኑ ይመርሕ።
- 38 ግዜ ዕላምኡ ዝሓረመ ፈተነታት ብምግባር መሓመድ ሳልሕ ተወዳዳሪ የብሉን።
- ተጻዋታይ ክለብ ቸልሲ ጆርዲንሆ 2078 ግዜ በይኑ ኩዑሶ ተቀባቢሉ።
- ሃዛርድ ብብዝሒ በደል (ፋውላት) ዘጋጠሞ ተጻዋትይ እዩ።
- ተጻዋትይ ክለብ ቦርንማውዝ ዝኾነ በርማ 9 ግዜ ብጫ ዝተስመዓሉ ተጻዋትይ እዩ።
- 16, 257 ግዜ ኩዑሶ ብምቅብባል ክለብ ማን ሲቲ መወዳደርቲ የብላን።
- ብብዝሒ ናብ ሸቶ ፈተነታት ዝገበረት ክለብ ማን ሲቲ 402 ግዜ ካብዚ 154 ዕላምኡ ዝሃረመ እዩ።
- ዝውሕደ ሸቶታት ዘመዝገበት ክለብ ሁድስፊልድ 13 ሸቶታት።
- ብብዝሒ ሸቶ ዝተመዝገባ ድማ ክለብ ፉልሃም 51 ሸቶታት።
- ተጻዋታይ ክለብ ብራይተን ሙራይ ብዝሒ በደል ዝፈጸመ 57 ግዜ።
- ሓልዊ ልዳት ዌስትሃም ፋብያንስኪ 86 ፈተነታት ብምድሓን ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።
- ክለብ ሌስተር ሲቲ ኣርባዕተ ተጻወቲ ብቀይሕ ካርድ ዝተባረርዋይ ክለብ ክትከዉን ከላ ሳውዝሃምፕተን
ድማ 48 ግዜ ብጫ ካርድ ብምርካብ ብቀዳምነት ይመርሓ።