ግዳያት ምጽላም ኴንና ብዝብል፥ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ዝገብሩ ሰባት ቊጽሮም ኣጸቢቑ ምውሳኹ ተገሊጹ። እዚ ብፍላይ፥ ምስ
ምምዕባል ኢንተርነት ልዑል ወሰኽ ክገብር ተራእዩ’ሎ። ዓሚ 9800 ከምዚ ዓይነት ክሲታት ናብ ፖሊስ እኳ እንተበጽሑ፥ ናብ
መጋባእያ ቤት ፍርዲ ዝኸዱ ግና፥ ኣዝዮም ዝወሓዱ ምዃኖም– መርማሪት ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን–ካሊበር–ኣቃሊዓ።
ሓንቲ ካብዞም ግዳያት ኣና ካሪን ኮይና፥ ሓንቲ ሰበይቲ “ናይ ኣእምሮ ጥዕና ከም ዘይብላ” ን “ብዙሕ ገበናት ከም ዝፈጸመት” ን
ኣብ “ፌይስቡክ” ኣብ ልዕሊ ምልጣፋ፥ ናብ ኣስራሒኣ ደዊላ ነዚ ምጽላም ስም ከም ዝፈጸመትላ ትገልጽ። እታ ከምኡ ዝገበረት
ሰብ፥ ደሓር ነቲ ተግባራ ክትክሕድ እኳ እንተፈተነት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ከም እተቐጽዐት ወሲኻ ገሊጻ።
ቅድሚ 30 ዓመት፥ ኣስታት 1800 ክሲታት ምጽላም ስም ናብ ፖሊስ ቀሪቦም ኔሮም ዝበለት ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት
ጥራይ ግና 9800 ከምዚ ዓይነት ጥርዓናት ናብ ፖሊስ ከም እተገብሩ ወሲኻ ኣመልኪታ። እንተኾነ ግና፡ ካብዞም ዓሚ ዝቐረቡ
ጥርዓናት እቶም ናብ ብቤት ፍርዲ ዝበጽሑ 250 ጥራይ እዮም።