ኣብ ሽወደን፡ ግዳያት መልከፍቲ ኮሮና ዝኾኑ ሰባት፡ ቁጽሮም 953,254 ምብጽሑን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ድማ ቀጻሊ ምህላዉን ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን፡ ኣንደሽ ቲግነል፡ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ክሳብ ሕጂ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣብ ሽወደን፡ 13986 ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ሽወደን፡ ክታበት ዝተኸትቡ ሰባት፡ 3,019,266 ክኾኑ እንከለዉ እቶም 2,288,269 ሰባት፡ ሓንሳብ ክታበት ዝተኸቡ ኮይኖም እቶም 730,997 ሰባት ድማ ክልተ ግዜ ክታበት ዝወሰዱ እዮም። 27.9% ካብ ጠቕላላ ድምር ናይ መንእሰያት ሽወደን ሓንሳብ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።