ገበናዊ መርመራታት ንምክያድ፡ ናይ ካሜራ ስእልታት ተወኪሱ ሰብን ንብረትን ንምርካብ፡ ፖሊስ፡ ንዝጥቀመሉ ኣገባብ ዝሕግዞ ሓድሽ ናይ ኮምፒዮተር ፕሮግራም ከምተማህዘ ተፈሊጡ።
እዚ ሓድሽ ፕሮግራም፡ ንፖሊስ ግዜ ዝቑጥብን ሓጋዝን እዩ። ምኽንያቱ፡ ፍልይ ዝበለ ምልክታት ተጠቂሙ፡ ካብ ብዙሓት ሰባት መምዩ ከውጽእ ዝኽእልን ናይ መካይን ቁጽሪ መዝገብ ብቐሊሉ ክረክብ ዝኽእልን ብሰብ ዝሰርሖ ብልሒ (artificial intelligence) ዝጥቀም ምዃኑ ክብል ማዕከን ዜና TV4 ገሊጹ።
ውጽኢት ናይቲ ንፈተነ ዝተጠቀምናሉ መስርሕ ክረአ እንከሎ፡ ናይ ሰሙናት ስራሕ ብሒደት መዓልታት ክዛዘም ምርኣይ፡ ነቲ ነጥፍኦ ዝነበርና ግዜ ብዓቢ መጠን ከግድሎ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ክብል ኣብ ሃገራዊ ቤትፍርዳዊ ማእከል (NFC)፡ ስነ-ፍልጠተኛ ዝኾነ ኒክላስ ኣፕልቢ ን ማዕከን ዜና TV4 ሓቢሩ።
እዚ ሓድሽ ፕሮግራም፡ ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስካቪስታ፡ ምዕራብ ነይሾፒን፡ ኣብ ስራሕ ክውዕል ትጽቢት ይግበር።