ከም ሓጐስ፡ ሓዘን፡ ትብዓት፡ ፍርሒን ካልኦትን ስምዒታት፡ ኣብ ውሽጥና ዝፍጠሩ ንሂወትና ድማ ኣዝዮም ጸለውቲ እዮም። ስምዒታትናን ጠባይናን ኣብ ከባቢና ንዘሎ ባእታ (ሰብ ይዅን ዘይሰብ) እንህቦም ግብረ-መልሲ ክንብሎም ንኽእል። ግብረ-መልሲ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ብዘይዝዀነ ይዅን ነገር ወይ ኵነታት ስምዒት ኣይፍጠርን እዩ። ንኣብነት፡ ንኽትሓርቕ ዝደረኸካ ካብ ውሽጥኻ ይዅን ካብ ግዳም ገለ ጠንቂ ኣሎ። ስምዒታት ብሓፈሻ ጠቐምትን ጐዳእትን ኢልና ክንፈላልዮም ንኽእል ኢና። ንዝያዳ መረዳእታ ‘ፍርሒ’ ንውሰድ። ፍርሒ ክልተ መዳያት – ማለት እወታውነትን ኣሉታውነትን ኣለዎ።
ተመሃሮ ፈተና ምስ ቀረበ ብምሉእ ሓይሎም የጽንዑ። እዚ ኸኣ ምሉእ ኣድህቦ ሂቦም ከንብቡ ስለ ዝድርኾም። ግቡእ ኣድህቦ ስለ ዝሃብዎ ጽቡቕ ገይሮም ክፈልጥዎ ተኽእሎ ኣሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ብሰንኪ ፍርሒ ምጽሓፍ ክሳዕ ዝስእኑ ይገብሮም እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ ስምዒታት ግጉይ መረዳእታ ኣለና። ገለ ካብቶም ብብዝሒ ዝግለጹ ኣስተብህሎን ምስትውዓልን ዘድልዮም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1) ስምዒታት ባህርያውያን እዮም፦ ሓንቲ ፈለማያ ካብ ጉድጓድ ዝወጸት ጤለ በዱ፡ ነብሪ እንተ ርእያ ስቕ ኢላ ትሃድም። ነቲ ነብሪ ክትፈርሖ ከም ዘለዋ ነብሳ ይነግራ። እቲ ስምዒት ኣብ ውሽጣ ዝጸንሐ እዩ። ይዅን እምበር፡ ኵሎም ስምዒታትና ተፈጥሮኣውያን ኣይኰኑን። ምስ ግዜ ካብ ሰባት ይዅን ካብ ካልእ እንምኰሮም ስምዒታት ኣለዉ። ንኣብነት ጭንቀት፡ ምስልቻው፡ ምሳና ዝውለዱ ኣይኰኑን። ኣብ መስርሕ ምንባር እነማዕብሎም እዮም።1) ስምዒታት ባህርያውያን እዮም፦ ሓንቲ ፈለማያ ካብ ጉድጓድ ዝወጸት ጤለ በዱ፡ ነብሪ እንተ ርእያ ስቕ ኢላ ትሃድም። ነቲ ነብሪ ክትፈርሖ ከም ዘለዋ ነብሳ ይነግራ። እቲ ስምዒት ኣብ ውሽጣ ዝጸንሐ እዩ። ይዅን እምበር፡ ኵሎም ስምዒታትና ተፈጥሮኣውያን ኣይኰኑን። ምስ ግዜ ካብ ሰባት ይዅን ካብ ካልእ እንምኰሮም ስምዒታት ኣለዉ። ንኣብነት ጭንቀት፡ ምስልቻው፡ ምሳና ዝውለዱ ኣይኰኑን። ኣብ መስርሕ ምንባር እነማዕብሎም እዮም።1
2) ስምዒታት ክትቈጻጸሮም ኣይትኽእልን ኢኻ፦ ስምዒታትካ ክትቈጻጸር ዘይትኽእል እንተ ዄንካ ኣብ ሓደጋ ኢኻ ዘለኻ። ዝዀነ ሰብ ጠባዩ ይዅን ስምዒታቱ ክገትእ ይኽእል እዩ። ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተጠቕሰ ስምዒታት ከም ግብረ-መልሲ ናይ ገለ ፍጻመ ወይ ክስተት እዩ። ጠንቂ ኣለዎ። ሳዕቤን እውን ከምኡ። ብግዳማይውያን ድርኺታት ስለ ዝነቅል ነቲ ጠንቂ ብምቊጽጻር ነቲ ሳዕቤን ክትቅበል ይግባእ። እንታይ ዓይነት ስምዒት ክህልወካ ከም ዘለዎ ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ዘጋጠመ የጋጥም ብሕሩቕ ኣገባብ እንተ መሊስካ ዘሕርቕ ግብረመልሲ ትረክብ። ዘሐጉስ እንተ መሊስካ ድማ ተመሊሱ ንዓኻ ከም እትሕጐስ ይገብረካ።
3) ስምዒታትካ ክትሓብእ ኣለካ፦ ስምዒታትካ ክትገትእዶ ወይስ ክትድርጉሕ ኣለካ? ዝብል ሕቶ፡ ብቐሊሉ ክምለስ ዝከኣል ኣይኰነን።ግዳ ስምዒታትካ ሓቢእካ ምኻድ ሃሳይነት ክህልዎ ይኽእል። ‘ሓባእ ቊስሉ ሓባእ ፈውሱ’ ዝብል ብሂል ኣለና። ስምዒታትካ ምሕባእ ዘምጽኦ ሳዕቤን ዓቢ ምዃኑ እዩ እቲ መልእኽቲ። ኰይኑ ግን ተረኽበ ኢልካ ስምዒታትካ ምድርጓሕ እውን ሳዕቤን ኣለዎ። ስለዚ መዓስ ብኸመይ ስምዒታትካ ትገልጽን ትሓብእን ምግናዝብ’ዩ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ። ብድብድቡ ‘ስምዒትካ ምሕባእ’ ከም እምንቶ ክትርዕሞ ኣይግባእን።ግዳ ስምዒታትካ ሓቢእካ ምኻድ ሃሳይነት ክህልዎ ይኽእል። ‘ሓባእ ቊስሉ ሓባእ ፈውሱ’ ዝብል ብሂል ኣለና። ስምዒታትካ ምሕባእ ዘምጽኦ ሳዕቤን ዓቢ ምዃኑ እዩ እቲ መልእኽቲ። ኰይኑ ግን ተረኽበ ኢልካ ስምዒታትካ ምድርጓሕ እውን ሳዕቤን ኣለዎ። ስለዚ መዓስ ብኸመይ ስምዒታትካ ትገልጽን ትሓብእን ምግናዝብ’ዩ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ። ብድብድቡ ‘ስምዒትካ ምሕባእ’ ከም እምንቶ ክትርዕሞ ኣይግባእን።
ሓደ ሓደ ግዜ ስምዒታትና እምብዛ ስለ ዝግንፍሉ ንምጽዋሮም ንጽገም። ኣብ ዘየድሊ ሳዕቤን እውን ከውድቑና ይኽእሉ። እዚኦም እዮም ጐዳእቲ ስምዒታት ዝበሃሉ።
ጐዳእቲ ስምዒታት ብመንጽር ግዜ ክረኣዩ፡ ካብ ካልኢታት ክሳብ ዕምርና ምሉእ ዝጸንሑ እዮም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ሰባት የሕርቚኻ’ሞ ‘በግ’ ኢልካ ክትሃርም ወይ ክትጸርፍ ትኽእል። ንእለት ግን ‘ኡፍፍፍ. . .!’ ብምባል ናብ ንቡር ትምለስ። ይዅን እምበር፡ ኣብቲ ጫፍ ስምዒት ኣብ እትህልወሉ ህሞት፡ ብዝሓዝካዮ ነገር ሰባት ምስ እትሃርም፡ ክርቢት ምስ እትሽርጥጥ ዓቢ ሓደጋ ክትፈጥር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ንዓመታት ዝኸይድ ቂምታ ከም ዝኽሰትንፈልጦ ነገር’ዩ። ሕኒን እናበልካ ስለ እትነብር ርግኣት የብልካን። ኣማስያኡ ናይ ኣእምሮ ጸገም እውን ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ። ንሓጺር ይዅን ንነዊሕ እዋን ግዙኣት ናይ ስምዒትና ጥራይ ኣብ እንዀነሉ፡ ርትዓውያን ክንከውን ኣይንኽእልን። ርትዓዊ ዘይምዃን በቲ ሓደ መዳዩ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ንኻልኦት ግዲ ዘይምግባር፡ ሓደጋ ምውዳቕ እውን የጠቓልል እዩ።