ግብጽን ኡጋንዳን፡ ብሰንኪ ኢትዮጵያ ኣብ መስመር ፈለግ ኒል እትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ፡ እናነሃረ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ፡ ስለያዊ ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥ ስምምዕ ምኽታመን ቢቢሲ ሓቢራ።
ላዕለዎት ሰብ መዚ ስለያ ክልቲአን ሃገራት፡ ብረቡዕ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ ኣብዚ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ምክልኻል ኡጋንዳ ገሊጹ።
ፈለግ ኒል፡ ንኡጋንዳን ግብጽን ዘራኽብ ናይ ሓባር ረቛሒ እዩ። ስለዚ ድማ ንግብጺ ዝትንክፍ ዘበለ ንኡጋንዳ በዚ ድዩ በቲ ምጽላዉ ኣይተርፎን እዩ። ስለዚ ድማ ኢና ኣብዚ ስምምዕ በጺሕና ዘሎና” ክብል ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ ሜጀር ጀነራል፡ ሳሜሕ ሳብር አል-ደግዊ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ ኢትዮጵያ ኣብ መስመር ፈለግ ኒል እትሃንጾ ዘላ ዓቢ ሓጽቢ ህዳሰ፡ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዓቢ ወጥሪ ምኽሳቱን ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ግብጺ፡ ነቲ ግድብ ከተዕንዎ ትኽእል እያ ክብል ተዛሪቡ ምንባሩን ይዝከር።
ኢትዮጵያ፡ እዚ ሓጽቢ፡ ንቀረብ ኤለትሪክን ናይ ልምዓት ፕሮጀክትን ከተውዕሎ ከም እትደሊ ክትገልጽ እንከላ፡ ግብጽን ሱዳንን ግን ብጽሒት ማይና ዘጒድል እዩ ብምባል ሻቕሎተን ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ።
ብዘይካ’ዚ፡ ዥሓለፈ ብሰሉስ፡ ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ኮንጎ፡ ፈሊክስ ትሺሰከዲ፡ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዝርርብ፡ ብዘይ ፍረ ከም እተበተነ ጸብጻባት ኣመልኪቶም ኣለዉ።
ብስም ጻዕዳ ኒል ዝፍለጥ ፈለግ፡ ካብ ኡጋንዳ ከም ዝፍልፍል ይፍለጥ።