ኣብ ግብጺ መካይን ዘፍሪ ፈረንሳዊ ትካል ሲትረን፡ ንስእልታት ደራፋይ ዓምር ዲያብ ከም መወዓውዒ ኣብ ዝተጠቕመሎም ቪድዮታት፡ ጾታዊ ዓመጽ ብምትብባዑ ተኸሲሱ’ሎ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ዓምር ብዘይፍቓድ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እናሰኣለ ድሕሪ’ዚ እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ መኪናኡ ተሳፊራ ብሓባር እናኸዱ ከም ዝረኣዩ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ። እዚ ብ 3 ታሕሳስ እተለቀ ናይ መወዓውዒ ቪድዮ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከቢድ ነቐፌታ ክወርዶ ጸኒሑ’ሎ።
ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዋ ተወላዲት ግብጺን ጋዜጠኛ፡ ሪም ዓብደለጢፍ፡ ነዚ ኲነታት ኣመልኪታ “ስኽፍክፍ” ዘብል ስምዒት ከም ዝፈጠረላ ገሊጻ’ላ። “98% ካብ ጠቕላላ ህዝባ፡ ገለ እዋን ኣብ ህይወተን ጾታዊ ምትንኻይ ከም ዘጋጥመን ኣብ ዝገልጻላ ሃገር፡ ከምዚ ዝበለ ንጾታዊ ምድፋር ዘተባብዕ ናይ መወዓውዒ ቪድዮ ምስራሕ፡ ብምንም ተኣምር ተቐባልነት ክህልዎ ኣይኽእልን እዩ” ክትብል ኣብ ናይ ትዊተር ሕሳባ ጽሒፋ’ላ።
ከምዚ ዝኣመሰለ መወዓውዒ ሰባት ንደቀንስትዮ ብዘይፍቓደን ስእሊ ምውሳድን ጾታዊ ምትንዃይ ክፍጽሙን ዘተባብዕ እዩ፥ እቲ ሓቂ ግና ከምዚ ምግባር ኣብ ሃገርና ብሕጊ እውን ዘቕጽዕ ምዃኑ እዩ ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ሰባት ነቲ ተግባር እናተቐባበሉ ነቐፌታኦም ኣውሪዶምሉ ኣለዉ።
ዓምር ይዂን ትካል መፍረ መካይን ሲትረን ብዛዕባ’ዚ ጒዳይ፡ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃቡን ኣለዉ።