ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ትማል ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሰብ ሓዳር ሓሓደ ጥራይ ምውላድ ክሓስቡሉ ተላብዩ።
ኣብ ግብጺ ብዝሒ ህዝቢ ዘኸትሎ ጸገማት ብኣግኡ ክሕሰበሉ ኣለዎ ምባሉ ኣገልግሎት ዜና EFE ገሊጹ’ሎ።
“ፈጣሪና እንሓስበሉ ኣእምሮ ሂቡና እዩ። ሓደን ጥዑይን ቆልዓ ምዕባይ ዶ ይበልጽ ወይስ ሰልስተ ኣርባዕተ ብሽግር ዝዓብዩ ቆልዑ ምውላድ?” ምባሉ ድማ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ህዝቢ ግብጺ ናይ 102 ሚልዮን ምግምጋሙን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብ 2 ሚልዮን ወሰኽ ከም ዘርኣየን ኢጀንሲ ስታቲስቲክስ CAPMAS ብሰሉስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር። ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኤጀንሲ ስድራቤታት ብድሆታት ምብዛሕ ህዝቢ ንምክልኻል ውጥን ስድራቤት ክኽተሉ ተላብዩ ኔሩ እዩ።
መጠን ወሊድ ነፍሲ ወከፍ ኣደ ግብጻዊት ናብ 2.1 ከም ዝጎድል እንድሕሪ ተጌሩ ኣብ 2052 ብዝሒ ህዝቢ ግብጺ ኣብ 142 ሚልዮን ክዕገት ከም ዝኽእል እቲ ጸብጻብ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ኣብ ግብጺ ሲሶ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 2$ ኣታዊ እናረኸበ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ከም ዝነብርን 8 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ድማ ብጥሜት ከም ዝሳቕን ፕረሲደንት ኣልሲሲ ጠቒሱ።