ግብጺ ብምኽንያት ሓጽቢ ሚለንዬም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዘይምስምማዕ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያዊን ዝምድና ኣብ ምሕያል ተጸሚዳ ምህላዋ ተንታኒ ፖለቲካ ግብጺ: ማጅዲ ዓብደልሃዲ: ኣመልኪቱ።
ኣብ 1875 ዝተመስረተ ማሕብረሰብ ጂኦግራፊ ግብጺ: እታ ሃገር ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንነዊሕ ዝጸንሐ ቊጠባዊ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ረብሓታት ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ብርቂ ሰነዳት ዝርከብዎ ማእከል እዩ። ሓደ ካብዚኣቶም ንዶብ ግብጺ ክሳብ ቀላይ ቪክቶርያ ዝስእል ካርታ እዩ።
እዚ ማእክል ምርምር: ኣብ እዋን ምብርባር እምበራጦርያዊ ባህጊታት ግብጺ: ኣብ 1860ታት እዩ ተዳልዩ። ኣብቲ እዋን: ግብጺ ንሱዳን ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ድሕሪ ምእታው: ነታ ምንጪ ሩባ ጸሊም ኒል ዝኾነት ኢትዮጵያ ንምቊጽጻር ተደጋጋሚ ወራራት እኳ እንተካየደት ብሓይልታት ሃጸይ ዮውሃንስ ከም እተሳዕረት ዝፍለጥ እዩ።
ድሕሪኡ ግብጺ ንባዕላ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ወዲቓ ማእከል ጸረ መግዛእታዊ ቃልሲ ኣፍሪቃን ኪንዮኡን ምዃና እቲ ጸብጻብ የመልክት። ኣብ እዋን ኲናት እስራኤልን ኣዕራብን ግና ምስ ትሕተ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝነበራ ዝምድና እናዘሓለ መጺኡ እዩ።
ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብፍላይ ግና ምስ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ ዓመታት ምስ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ማለት ሃገራት ኬንያ፥ ብሩንዲ፥ ሩዋንዳን ጅቡቲን ጥብቕ ዝበለ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ስምምዓት ኣብ ምኽታም ትርከብ።
ግብጺ ምስ ጎረቤታ ሱዳን ጽኑዕ ናይ ውህደት ስምምዕ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ። ሓባራዊ ልምምዳት ፍሉያት ሓይልን ነፈርቲ ኲናት እውን ከም ዝገበራ ዝዝከር እዩ።
ግብጺ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣተኲራ ሓደስቲ መሻርኽቲ ትገብረሉ ዘላ ምኽንያት: ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ እናተጋደደ ዝመጸ ምስሕሓብ ሓጽቢ ሚለንዬም ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ፍልልያት ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ንክትፈትሖ ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ። እንተኾነ ግና እዚ ጻዕሪ ዳርጋ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝበጽሐ እዩ ዝመስል ክብል ክኢላ ወጻኢ ጒዳያት ግብጺ ናዕል ሻማ ይገልጽ።