መንግስቲ ግብጺ: ንሰብ ቻናል ዩትዩብ ቀረጽ ከኽፍል ምዃኑ ዘውጽኦ እማመ ካብ ዩቱበራት ዝተሓዋወሰ ግብረ መልሲ ይወሃቦ ምህላዉ ተገሊጹ። ገሊኦም ሰባት ነዚ ከም ዝድግፍዎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ ጎደናታት ኮይነን ሓምሊ ዝሸጣ ኣዴታት እኳ ቀረጽ እናኸፈላ: እዞም ብዩትዩብ ዝሃብተሙ ሰባት ዘይቅረጹሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ክብል ሓደ ተጠቃማይ ትዊተር ምጽሓፉ AFP ጸብጺቡ’ሎ።
በዓልመዚ ቀረጽ ግብጺ: ኲሎም ኣብ ብሎጋትን ዮቱብን ዝሳተፉ ሰባት: ኣታዊታቶም ከፍልጡ ኣዚዙ’ሎ።
መንግስቲ: ብፍላይ ነቶም ልዕሊ 32000$ ኣታዊ ዘለዎም ዩቱበራት ዓሊሙ ነዚ ሕጊ ኣተኣታትዩ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ መሬት ግብጺ: ብዩትዩብ ቻነላት ኣታዊ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ: ዝግብኦ ቀረጽ ክኸፍል ክግደድ እዩ” ክብል ዋና ሓላፊ ክፍሊ ቀረጽ: መሓመድ ኣልቐያር: ን AFP ገሊጹ’ሎ።
እንተኾነ ግና ብርክት ዝበሉ ካብዞም ሰብቻነላት: ነዚ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም ኣለዉ። ነዚ ዘልዓልዎ ምኽንያት ድማ ክብሪ ዋጋ ኣገልግሎት ኢንተርነት እዩ።
መንግስቲ ክቕርጸና እንድሕሪ ወሲኑ ኣሎ ኮይኑ፥ ዋጋ ኢንተርነት እውን ከጒድለልና ኣለዎ” ክብሉ ነዚ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።