ሃገረ ግብጺ፡ ንምዕጋት መርከብ ኤቨርግሪን ኣብ መትረብ ስዌዝ ኣመልኪታ ወግዓዊ መርመራ ከም ዝጀመረት ቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣማኻሪ በዓልመዚ መትረብ ስዌዝ፡ ሰይድ ሸዓይሻ፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክኢላታት ናብ መርከብ ኤቨር ግሪን ብምድያብ፡ ኣድላዪ ሓበሬታ ንምእካብ ክዋፈሩ እዮም። እቲ ጒጅለ፡ ንኹነታት ምንስፋፍ መርከብ ኤቨር ግሪን ተግባራት መራሕታን ብዝምልከት፡ መርመራታት ከካይዱ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
እዛ 400 ሜትሮ ዝንውሓታን 220 ሽሕ ቶን ዝኽብደታን መርከብ፡ ኣብ 23 መጋቢት ብሰሜን ወገን መትረብ ስዌዝ ተሸኺላ ምንባራን፡ ብዓብይ ናይ ድሕነት ስርሒት ዳግማይ ከተንሳፍፍ ከም ዝኸኣለትን ዝፍለጥ እዩ።
እዛ መርከብ፡ ሓራ ካብ እትወጽእ ንደሓር 160 መራኽብ፡ በቲ መትረብ ምሕላፈንን ዛጊት 292 ዝኾና ንሰሜን ዝኸዳ መራኽብ ንኽሓልፋ ሪጋ ሒዘን ንኽሓልፋ ይጽበያ ከምዘለዋ እቲ በዓልመዚ ገሊጹ’ሎ።
12% ካብ ዓለም ለኻዊ ንግዲ ዓለምና፡ በዚ ንማእከላይ ን ቀይሕ ባሕሪን ዘራኽብ መትረብ ስዌዝ ኣቢሉ ከም ዝሓልፍ ይፍለጥ።