ኢትዮጵያ፡ ንትሕዝቶ ናይቲ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ዝህነጽ ዘሎ ሓጽቢ ሚለንዬም ንምምላእ ምውሳና፡ ግብጺ፡ ኣትሪራ ከም እትዂንን ኣፍሊጣ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓጽቢ ሚለንዬም ክመልእ ምዃኑ ወግዓዊ መግለጺ ከምዝሃበ፡ ዝገለጸ ሚኒስተር መስኖ ግብጺ፡ መሓመድ ዓብደል ዓጢ፡ ነቲ ውሳነ ብትሪ ከም ዝቋወሞ ሓቢሩ። እዚ በይናዊ ውሳነ ኢትዮጵያ፡ ምግሃስ ኣህጒራዊ ሕግን ኣብ ኣህጒራውያን ሩባታት ዝድኮኑ ፕሮጀክቲታት ኣንተላይ ፈለግ ኒል ዝምልከቱ ሕግታትን ዝጥሕስ እዩ ክብል ገሊጽዎ። እቲ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ ንእትወስዶ ዘላ ስጒምቲታት ኣመልኪቱ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ምልኣኹን እቲ ቆንስል ንዝመጽእ ሓሙስ በዚ ጒዳይ ቈጸራ ሒዙ ምህላዉን ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ኣመላልኣ እቲ ሓጽቢ ኣብ ስምምዕ ክሳብ ዝበጽሓ፡ ኢትዮጵያ፡ ዝኾነ ንምምላእ ዝመልከት ዕዮ ከተቋርጽ ከተሓሳስባ ጸኒሐን ኣለዋ።
እዚ ብ 4 ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎ ሓጽቢ ሚለንዬም፡ ብጽሒት ማይና ክንክየልና እዩ ዝብል ናይ ግብጽን ሱዳንን ሻቕላ ምህላዉ ዘመልክተ እዚ ጸብጻብ፡ ብፍላይ ድማ እታ ብዙሕ ዝናብ ዘይትረክብን 100% ኣብ ማይ ኒል እትምርኮስ ግብጺ ነዚ ጒዳይ ከም ዝዓበየ ጒዳይ ሃገራዊ ድሕነት ከም እትጥምቶ ዝፍለጥ እዩ። ኢትዮጵያ ብወገና ፈለግ ኒል፡ ንሃገራዊ ልምዓት ዝውዕል ጸዓት ንምምንጫው ከም እተውዕሎን እዚ ድማ ንሱዳንን ግብጽን ብዝኾነ መንገዲ ከም ዘይሃሲ እያ ትገልጽ።