ኣብ መንጎ ሰብ መዚ ግብጺን ወነንቲ ናይታ ኣብ መትረብ ስወጽ ተዓጊታ ዝነበረት መርከብን ፍልማዊ ውዕል ካሕሳ ከም እተበጽሐ ይግለጽ ኣሎ።
ዝሓለፈ ዓመት: መርከብ ኤቨርግሪን ኣብ መትረብ ስወጽ ኣጽቢባ ክትጥወ ክትብል ምስ ተዓግተት: ብዙሓት መራኽብ ኣብ ደውታ ከም ዝነበራ ዝፍለጥ እዩ።
ወንነቲ እታ መርከብን ትካል መድሕንን ምስ ሰብመዚ ግብጺ ኣብ ጒዳይ ካሕሳ ምስምማዕ ስኢኖም ኣብ ክርክር ምጽንሖም ድማ ጸብጻባት የመልክቱ።
በዓልመዚ እቲ መትረብ: ብምኽንያት ትሑት ኣታዊ ቀረጽን ምጥፋእ ስም እቲ መትረብን 900 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎ ክሓትት ምጽንሑ ይዝከር።
ወነንቲ እታ መርከብ: ጃፓናውያን ከም ዝኾኑ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ: ነዚ ካሕሳ ክወርደሎም ክከራኸሩ ድሕሪ ምጽናሕ: ትማል ረቡዕ ክልቲኦም ወገናት: ናይ 550 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክፍጸም ውዕል ከቲሞም ኣለዉ ተባሂሉ።
ካናል ስወጽ: ሓደ ካብቶም ዝጸዓቐ ትራፊክ መራኽብ ዘለዎ መስመር ንግድ ዓለምና ምዃኑ ይፍለጥ።