መንእሰይ ተሓላቒት ኣከባቢ ዝኾነት ግሬታ ሶንቤሪ ብኣጋጣሚ ሚድሳመር (Midsummer) ምስ መደብ Sommar I P1 ኣብ ዝገበረቶ መደረ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰማዕቲ ብምርካባ ክብረ ወሰን ሒዛ።
እቲ መደብ ዓመታዊ ዝካየድ ኮይኑ፡ መደረ ንኸስምዑ ዝዕደሙ ሰባት እቶም ኣብቲ ዓመት ኣርእስቲ ናይ ህዝቢ ኮይኖም ዝኸረሙ እዮም። እዚ ዓመት መደረ ከስምዑ ዝተዓደሙ ድማ ኣማኻሪ ሽወደን ንጉዳይ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንደሽ ቲግኒልን፡ ኣብ ታሪኽ’ቲ መደብ እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ከም ዝኾነት ዝንገረላ፡ ግሬታ ሶንቤሪን ነይሮም።
ኩባንያ “ካንታር ሲፎ” ካብ ዓመተ 2013 ጀሚሩ ብዝሒ ሰማዕቲ ንምፍላጥ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ዳህሳስ፡ ግሬታ መደረ ኣብ ዘስመዓትሉ እዋን እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ሰማዕቲ ዘመዝገበ ምዃኑን በዚ ድማ ክብረ ወሰን ክትሕዝ ከምዝኸኣለት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
መደብ Sommar I P1 ኣብ ዘመሓላልፎ ናይ ኢንግሊዝኛ ፕሮግራም ካብ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ናይ መራኸቢ ብዙሓን መደበራት ተገዳስነት ረኺቡ። ከም ኣብነት ድማ ዘ-ጋርድያን፡ ሲ ኤን ኤን፡ ኣሶሸይትድ ፕረስን ቢቢሲን ክጥቀሳ ይኽእላ። ቢቢሲ ነቲ መደብ ዕለት 11/07/2020 ከመሓላልፎ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።