ዝሓለፈ ዓርቢ፡ መንግስቲ ግሪኽ ነቶም ዘይብቑዓት ስደተኛታት ንምዕጋት መዓጹኣ ከም ዝዓጸወትን ዝያዳ ሓለውቲ ወሰን ድማ ከም ዝመደበትን ሓቢራ። ኪርያኮስ ሚትሶታኪስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ግሪኽ፡ ኣብቲ ምስ ቱርኪ ዘዳውብ ቦታታት፡ 400 ሓለውቲ ወሰን ከምኡውን ኣብተን ደሴታት 800 ሓለውቲ ወሰን ከም ዚገብር ሓቢሩ፡ ። ብተወሳኺ እውን ናይ ባሕሪ ሓለውቲ ከም ዚገብር ኣሚቱ ኣሎ።
እቲ ዝሓለፈ ሓምለ እተመርጸ ኣኽራሪ መንግስቲ ነቲ ዘሎ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣፍሪሱ ብኻልእ ጽንኩር ዝኾነ ከም ዚተክኦ ኣፍሊጡ ኣሎ። ነቶም እንደልዮም ጥራይ ኢና ንቕበል ይብል ሚትሶታኪስ። ነቶም ኣኾብለልትን ብቕዓት ዘይብሎምን ግን ኣፍደገታትና ዕጹዋት እዮም። ግሪኽ ነቶም ናብ ኤውሮጳ ዚኣትዉ ዑቕበኛታት ኣገዳሲት ኣፍደገ እያ፡ ኣብ 2015ን 2016ን ኣብ ዝነበረ ግርጭታት ድማ ዝያዳ ካብ ሚልዮን ሰባት ብኣኣ ሓሊፎም ኣለዉ። ካብ ቱርኪ ዚመጹ ቍጽሪ ብዝሒ ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ከም ብሓድሽ ካብ 37 000 ንላዕሊ ኮይኑ ኣሎ፡ እቲ
ቦታ መዕቆቢ ድማ ኣዚዩ ጸቢብ እዩ። እቲ መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እ;ዚ 20 ሽሕ ሰባት ናብ ውሽጢ ኤውሮጳ ከግዕዝ እዩ። ኣብ 2020 ድማ ሓድሽ መዕቆቢታት ኪሰርሕ እዩ። ብሓኻይም ብዘይ ዶባት (MSF) ዚፍለጥ ውድብ ግን እቲ ሓድሽ መዕቆቢ ቀስ እናበለ ናብ ቤትማእሰርቲ ምቕያሩ ኣይተርፎን እዩ ብማለት ስክፍታኡ ይገልጽ።