ህቡብ ግሪኻዊ ተዋሳኣይን ዳይረክተርን ናይ መድረኽ ቲያትር ዲሚትሪስ ሊግናዲስ ብጾታዊ ምድፋር ትሕቲ ዕድመ ኣብ ትሕቲ ቅይዲ ኣትይ።
56 ዝዕድሜኡ ሊግናዲስ ኣብ 2010 ኣብ ልዕሊ ወዲ 14 ዓመት ህጻን ጾታዊ ምድፋር ብምፍጻሙ ከምኡውን ካልእ ዛጊት ዝርዝራቱ ዘይተገልጸ ተመሳሳሊ ክሲን እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
እዚ ህቡብ ዳይረክተር ሃገራዊ ትያትር ግሪኽ ነዚ ክሲታት ናይ ክሕደት ቃል ምሃቡ ጠበቓኡ ገሊጹ’ሎ። ሊግናዲስ ብገዛእ ፍቓዱ እዩ ናብ መደበር ፖሊስ ኣቴንስ ከይዱ–ክብል ጠበቓኡ ወሲኹ ሓቢሩ።
ክሱስ ክሳብ መርመራ ዝጅመር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ክጸንሕ እዩ ክትብል ንሰብ መዚ ብምጥቃስ ግዜጣ ኤካቲመሪኒ ኣቃሊሓ።
ሊግናዲስ ንነዊሕ ዓመታት ዳይረክተር ሃገራዊ ቲያትር ግሪኽ ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰንኪ ኣብቲ ቦታ እናገነነ ዝመጸ “ሕሜት፥ ተንኰልን ዘይረብሕ ወረን” ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ይገልጽ።
ሻምፒዮና ኦለምፒክስ ግሪኽ ነበር ሶፊያ ባካቱር ብሓደ መን ምዃኑ ከተለልዮ ዘይከኣለት ኣባል ፈደሬሽን ምጅላብ ግሪኽ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸማ ድሕሪ ጥርዓን ምቕራባ ፖሊስ ኣብታ ሃገር ምግፋፍ ጥርጡራት ምክያዶምን ድሕርዚ ሊግናዲስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉን ድማ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።