32 ዝዕድሜኡ ግሪኻዊ ፓይለት: ንብሪጣንያዊት በዓልቲ ቤቱ: ምቕታሉ ተኣሚኑ። እዚ ገበን ኣብ ግሪኽ ዓብዪ ስንባደ ፈጢሩ’ሎ ክትብል ወኪል ቢቢሲ ሓቢራ።
ባቢስ ኣናግኖስቶፖሉስ: ኣብ ቀብሪ በዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ምስታፉ ብፖሊስ ንኽሕተት ከም እተወስደ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ: ሰልስተ ጎሓላሉ ቤቶም ሰቢሮም ንእኡ ድሕሪ ምእሳር ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሙ ደጋጊሙ ምግላጹ ይሕብር።
እንተኾነ ግና ፖሊስ ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራ ነቲ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣጠራጣሪ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ እዮም ዝገልጹ። ምኽንያቱ ዝኾነ ኣሰር ናይቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ገበን ጒሕለት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ብዘይካዚ ኣብ ቅድሚን እዋንን ሞት በዓልቲ ቤቱ ዝነበረ ምንቅስቓሳቱ: ብ ሞባይሉ ድሕሪ ምርካብ: እቲ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓሶት ከም ዝኾነ ክፈልጡ ከም ዝኸኣሉ ፖሊስ ይሕብሩ።
ብፍላይ ድማ: ካሮሊን: ወድያታ ዝነበረት: ስማርት ዝዓይነታ ሰዓት: ኣብቲ በዓል ቤታ ከም ዝሞተት ዝጠቐሶ ግዜ ህርመት ልባ ይቕጽል ምንባሩ ብምቅላዕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ዝሃበ ኣቃሊዓቶ። ፖሊስ ኣቐድም ኣቢሎም ቀታሊ ካሮሊን ንዝሓበረ ናይ 300 ሽሕ ዩሮ ካሕሳ ዓስቢ ክህቡ ምዃኖም ሓቢሮም ኔሮም እዮም።
ፖሊስ ኣብዚ ገበን ተጠርጣሪ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ንሸሞንተ ሰዓታት ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራን መስቀላዊ ሕቶታትን እቲ ፓይለት ኣብ መወዳእታ ንበዓልቲ ቤቱ ከም ዝቐተለ ተኣሚኑ።