ዝሓለፈ ዓርቢ፥ ግረታ ተንበሪ ኣብ ኣፍደገ ባይቶ ሽወደን ንክሊማ ኣመልኪታ ናይ መወዳእታ ናይ ቤት ትምህርቲ መመረቕታ
ተቓውሞኣ ኣስሚዓ። ተንበሪ ሰሙናዊ እተካይዶ ናይ ዕለተ ዓርቢ ተቓውሞ ናብ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ክሊማ ካብ ዝቕየር
ሓሙሽተ ዓመታት መሊኡ’ሎ። ዕስራ ዓመታ መሊኣ ዘላ ተጣባቒት ጒዳያት ክሊማ ግረታ ተንበሪ፥ ካብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ
ምምራቓ ድሕሪ ምግላጽ እዚ ሕጂ ዝገበረቶ ደጊም ናይ ቤት ትምህርቲ ተቓውሞ ተባሂሉ ከም ዘይጽዋዕ ጽሒፋ’ላ።
“ን ክሊማ ዝምልከት ተቓውሞይ ከስምዕ ሞራላዊ ግዴታይ እዩ” ዝበለት ግረታ “ዜጋታት ነዚ ሕቶ ክሊማ ቀዳምነትም ክገብርዎን
ከም ግላዊ ጒዳዮም ክወስድዎን” ትምኒት ከም ዘለዋ ገሊጻ። ዓለመለኸ ህቡብነት ዝረኸበት ግረታ፥ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት
ን ምልዋጥ ክሊማ ዝምልከት መደረ ኣስሚዓ’ላ። ንሳ ዝለዓለ ሕልማ ሽወደን ናብ ከባቢ ኣየር እትፍንዎ ጋዝ ናብ ዜሮ ንኽወርድ
ምዃኑ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበራ ሓጺር ጻንሖት ገሊጻ’ላ።