ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ፡ ግላዊ ደገፍ ዝህቡ ሰራሕተኛታት፡ ስሩዕ ክፍሊት ኣበሎም ብ3.5% ክውስኽ ምዃኑ ተሓቢሩ። እዚ ወሰኽ፡ ነቲ ናይ መገሻ፡ ምምሕዳራውን ውሕስነትን (ኢንሹራንስ) ወጻኢታትን ንኽሽፍን ተባሂሉ ዝኽፈል ዘሎ ምዃኑ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ።
መንግስቲ ሽወደን ምስ ሰልፍታት ማእከልን ሊበራልን ብምዃን ነቲ ውሳነ ከም ዝተሰማምዕሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ግላዊ ደገፍ ዝህቡ ሰራሕተኛታት፡ ከምቲ ንኻልኦት ሰራሕተኛታት ዝግበር ወሰኽ ደሞዝ፡ ንነዊሕ ዓመታት፡ ወሰኽ ደሞዝ ከይረኸቡ ምጽነሖም ይፍለጥ፡ እዚ ግን ፍሉይ ዓይነት ወሰኽ እዩ ክትብል ሓላፊት ሊበራላዊ ሰልፊ፡ ኒያምኮ ሳቦኒ፡ ገሊጻ።
ስንኩላንን ኣረጋውያንን (LLS) ዝኾኑ ሰባት’ሞ፡ ብመሰረት ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን፡ ሓገዝ ዝፍቀደሎም እንተድኣ ኮይኖም፡ ግላዊ ደገፍ ዝህቦም ዝመረጽዎ ሰብ ክቆጽሩ ከምዝኽእሉ ይፍለጥ።