ኣንስቲ ፕረሲደንትን ምክትልን፡ ደሞዝ ክሕሰበለን ንዝብል ውሳነ ባይቶ፡ ዜጋታት ጋና፡ ብትሪ ይነቕፍዎ ምህላዎም ተገሊጹ።
እዘን ኣንስቲ፡ ኣብ ብርቱዕ ስራሕ ንዝርከቡ ሰብኡተን ድጋፍ ዝህባ ብምዃነን እዂል ደሞዝ ይግብአን እዩ ዝብል ቀንዲ ስነመጎት እቲ ባይቶ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት ቢቢሲ፡ እዘን ኣንስቲ፡ ማዕረ ካቢነ ሚኒስተራት ዝዳረግ ደሞዝ ክሕሰበለን እዩ። ቀዳመይቲን ካልአይቲን እምቤት ከም ሓለፋ ፈጸምቲ ኣካል ገለ ድጎማታት ክወሃበን ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግና፡ ስሩዕን ዕላዊን ደሞዝ ክግበረለን ዝውስን ምዃኑ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ጋና፡ ኮጂ ኦፖንግ ንክሩማ፡ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ድማ እዘን ኣንስቲ፡ ወርሓዊ 3500 ዶላር ክሕሰበለን እዩ። ኮሮና ፈጢርዎ ዘሎ ቊጠባዊ ቅልውላው ከይኣክል ከምዚ ዝበለ ውሳነ ብምትሕልላፉ ጋናውያን ቊጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ቅዋም ጋና ነዚ ውሳነ ዝድግፍ ድንጋገ ከም ዘየለን ነዚ ጒዳይ ፋይል ከፊቱ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ምዃኑን ሃገራዊ ዴሞክራስያዊ ጒባኤ ዝተባህለ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ሓቢሩ’ሎ።