ሓድሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ብ ኣህጒራዊ ጒጅለታት ረድኤት ናብ ስርሓት ምንጻል ጥንሲ ዘሳልጣ ትካላት ጥዕና ዝፈስስ ዝነበረ ንዋይ ደጊሙ ምኽፋቱ ተጣበቕቲ ጾታዊን መፍረኣዊን ጥዕና ብሓጎስ ከም እተቐበልዎ ተገሊጹ።
ኣብ 2017 ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ነዘን ጸረ ጥንስን ውሑስ ምብርዓን ጥንሲን ዝህባ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ዘውሕዞ ዝነበረ ንዋይ ብምዕጋቱ እዘን ትካላት ክዕጸዋ ተጌረን ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።
ሓላፊት መርበብ ትካላት ጥዕና መፍረ ዝኾነት ኔሊ ሙኛሲያ ብምኽንያት ምዕጋት እዚ ንዋይ ዘድሊ ኣገልግሎት ንደቀንስትዮ ክህባ ተጸጊመን ምጽንሐን ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኣብ ማእከል ጥዕና፥ ሰብኣዊ መሰልን ልምዓትን ኡጋንዳ ዝዓዪ ሞሰዝ ሙሉምባ ብወገኑ እቲ ውሳነ ትራምፕ ነተን ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ሃሳዪ እዩ ኔሩ ብምባል ነዚ ናይ ጆ ባይደን ዳግመ ግምት ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ገሊጹ።