ኣክቲቪስት ተቓዋሚ ሰልፊ ሩስያ ዝኾነ ኣለክሴይ ናቫልኒ፡ እንድሕር ኣብ ማእሰርቲ ሞይቱ፡ ሩስያ፡ ከበድቲ ሳዕቤናት ክወርዳ እዩ ክትብል ኣመሪካ ኣጠንቂቓ’ላ። ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ኣውሮጳዊ ሕብረትን እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣተሓሕዛ እዚ እሱር ዘለወን ሻቕላ ገሊጸን ኣለዋ።
ሓካይም ናቫልኒ፡ ኣብ ሕቖኡ ከቢድ ቃንዛ፡ ከም ዘለዎ ታሕተዋይ መሓውሩ እውን ከም ዘቐንዝዎ ብምግላጽ፡ ዘድሊ ሕክምናዊ ረድኤት እንተ ዘይተጌርሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ክመውት ይኽእል እዩ ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ።
ናቫልኒ፡ ረኣዩኒ ረኣዩኒ፡ ክብል ደልዩ እምበር ኣብ ማእሰርቱ ንሞት ዘውህቦ ሕማም ኣይሓዞን ክብል ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ብሪጣንያ ነቲ መግለጺ መልሲ ሂቡሉ’ሎ።
ወዲ 44 ዓመት፡ ናቫልኒ፡ ዕሉል ተቓዋሚ መንግስቲ ሩስያ ኮይኑ፡ ገንዘብ ኣጠፋፊእካ ብዝብል ክሲ እኳ እንተተኣስረ፡ ንሱ ግን ብ ፖለቲካዊ ምኽንያት ከም እተኣስረ ብምጥቃስ ንመንግስቲ ክወቅስ ጸኒሑ’ሎ። ንሱ ካብ 31 መጋቢት ጀሚሩ፡ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ድሕሪ ምክያዱ፡ ብሕማም ኲሊትን ልቢን ይሳቐ ምህላዉ ጸብጻብ ሓካይሙ የመልክት።