ጉዳይ ጥዕና ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሽወደን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክስራዕ እንከሎ፡ ቀጺሉ ድማ ኢሚግሬሽንን ምውህሃድ ስድራቤትን ዝስራዕ ኮይኑ ጉዳያት ቤት ትምህርቲ ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ከምዝርከብ ትካል ኖቮስ ኣብ ዘቕረቦ ዳህሳስ ሓቢሩ።
ምስ መጠነ-ሽቕለት ዝተተሓሓዙ ጉዳያት እውን ምስ ቅልውላው ኮሮና ምውሳኹ SVT ሓቢሩ።
68% ካብቶም ድምጺ ዝሃቡ፡ ጉዳይ ጥዕና እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ ፖለቲካዊ ዛዕባ እዩ ምባሎምን እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ እንክነጻጸር እንከሎ ብ 4% ዝዛይድ ኮይኑ ከም እተረኽበን ድማ ተመልኪቱ።
ጉዳይ ጥዕና ሕጂ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት እውን ገዛኢ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ ዝተረኽበ ፍልይ ዝበለ ውጽኢት ግን ናይ ጉዳያት ሕግን ስርዓትን እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ እዘን ጉዳያት ዝነበረ ተገዳስነት ብ 8% ምንካዩ እቲ ዳህሳስ ኣነጺሩ ክብል ኣብ SVT ናይ ፖለቲካ ተንታኒ ዝኾነ ማትስ ኩኑትሶን ሓቢሩ።
ብኣንጻሩ ቊጠባን ጒዳይ ሽቕለትን ብኣገዳስነቶም ዓብዮም ኣለዉ። ክልቲኣቲም ብቕደም ተኸተል ብ 7%ን 11% ምውሳኾም ተገሊጹ።
ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽንን ምውህሃድ ስድራቤትን ዘሎ ጠመተ ብመሰረት ሰባት ንሰልፊታቶም ዘለዎም ኣቓልቦ ክብን ለጠቕታን ዘርኢ ምዃኑ እቲ ዳህሳስ ድሕሪ ምምልካት ሰልፊታት ዓቃባዊያን ሽወደናዊ ዴምክራሲን ምስ ጉዳያት ኢሚግሬሽንን ምምውህሃድ ስድራቤትን ከም ዝደናገጹ ሓቢሮም።
ብሓፈሻ እዚ ጉዳይ ብኻልኣይ ደረጃ ኣዛራቢ ዝኾነ ዛዕባ ምዃኑን ክሳብ 50% ዝበጽሕ ደረጃ ተገዳስነት ምርካቡን ድማ ገሊጹ።