ገዲም ኣመሪካዊ ደራፋይ: ቶኒ በነት: ኣብ መበል 95 ዕድሜኡ ካብ ደርፊ ምስንባቱ ወዱን ማናጀሩን ሓቢሩ።
ንሰብዓ ዓመታት: ኣብ መድረኽ ዝጸንሐ ቶኒ: ብሕማም ረሲዕ (Alzheimer’s Disease) ይሳቐ ምህላዉ ማናጀሩ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቃሊዑ።
ዝሓለፈ ዓመት: በነት: ኣብ ሬድዮ ሲቲ ምዩዚክ ሆል ኒውዮርክ: ምስ ሌዲ ጋጋ: ናይ መወዳእታ ምርኢት ኣቕሪቡ ኔሩ እዩ።
“ኣቦይ ካብ ዓለመ ደርፊ ክእለ ብቐንዱ ናይ ዶክተራት ምኽሪ እዩ: ካብ ጥዕና ዝዓቢ ስለ ዘየለ ድማ መጋረጃ ስነጥበባዊ ህይወቱ: ኣብዚ ክዕጾ ወሲኑ ኣሎ” ክብል ወዱ ዳኒ ገሊጹ’ሎ።