ምምሕዳር ባይደን: ነቲ ንጀርመርንን ሩስያን ዘረኽብ: ስትሪም ቱ ፕሮጀክት: ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቱቦ ዝሃንጽ ዝነበረ ኲባንያ: ተጻዒንዎ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ምግባሩ ቢቢሲ ሓቢራ።
ብዘይካ’ዚ: ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ፑቲን ምዃኑ ዝፍለጥ ኣካያዲ እቲ ስራሕ ተጻዒኑ ዝነበረ እገዳ እውን ኣልዒላቶ ኣላ። ካልኦት ኣብ ህንጸት እዚ ፕሮጀክት ዝተዋፈራ ኣርባዕተ መራኽብ ሩስያ እውን እገዳ ኣጽኒዑ እኳ ኣንተነበረ፡ እቲ መትረብ ካብ ምህናጽ ከም ዘይዓገቶ ተንተንቲ ይገልጹ። እዚ ካብ ሰሜናዊ ጠረፋት ኣርክቲክ (ሩስያ) ናብ ጀርመን ጋዝ ዘመሓላልፍ መትረብ፡ ህንጸቱ ሕጂ ናብ 95% ከም እተዛዘመ እዩ ዝፍለጥ።
ገለ ተንተንቲ፡ እዚ መትረብ፡ ናይ ፑቱን ዝዓበየ ጂኦፖከቲካዊ ረብሓ እዩ ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ። ኣመሪካ ብወገና፡ እዚ እገዳ ክለዓል ብምግባራ ከም እትርባሕ ገሊጻ’ላ።