ድሕሪ ብረክዚት፡ ኣመሪካ ምስ ብሪጣንያ ነጻ ናይ ንግድ ውዕል ክትገብር፡ ዕድል የብላን ክብል ጆ ባይደን ምስ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ዳውኒን ስትሪት፡ እንኮ ኣማራጺ፡ ምስ ኣሜሪካ ጥራይ ነጻ ናይ ንግዲ ውዕል ምፍጻም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እዚ ተባሂሉ ዘሎ። እንተኾነ፡ ሚኒስተራት ብሪጣንያ ኣብ ክንዲ ዝተፈልየ ውዕል ምፍጻም ነቲ ድሮ ዘሎ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ነጻ ናይ ንግድ ዞባ ምጽንባር ከም ኣማራጺ ይዝትዩሉ ምህላዎም BBC ገሊጻ’ላ።
ብዘይካ’ዚ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ናይ 90 ደቓይቕ ርክቦም፡ ብዛዕባ ሰሜን ኣየርላንድ፥ ክሊማዊ ለውጥን ኣፍጋኒስታንን ከም ዝዘተዩ ተፈሊጡ። ምሉእ ነጻ ናይ ንግድ ውዕል ብዛዕባ ዝግበረሉ ዕድላት ከም ዝዘተዩ፡ ዳውኒን ስትሪት፡ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ፡ ክሳብ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ምርጫ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዝኾነ ምስ ኣሜሪካ ውዕል ናይ ምግባር ዕድላት ከም ዘየለን ኣሜሪካውያን ድማ ቀለልቲ ተማጐትቲ ኣይኮኑን ክብል፡ ጆንሰን፡ ምግላጹ ቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ።