ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ስራሕ ዑደት፡ ሩስያ ካብ ኣዕናዊ ንጥፈታት እንተዘየተቘጢባ ጽንክር ዝበለ ሳዕቤናት ክመጻ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ባይደን፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ላሕሊሑ ዝነበረ ዝምድና ኣመሪካን መሻርኽታን ከሐይል ድሌት ከም ዘለዎ ጠቒሱ’ሎ። ነዚ ዝዓለመ ዑደት ንምግባር ትማሊ ናብ ብሪጣንያ ከም ዝኣተወ ድማ ተገሊጹ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቦሪስ ጃንሰን፡ ተራኺቦም ኣብ ኣትላንቲክ ቻርተር ክሰማምዑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እዚ ምስቲ ኣብ 1941 ኣብ መንጐ ቸርቺልን ሩስቬልትን ዝተገብረ ውዕል ከም ዝመሳሰል ዝንገረሉ ዘሎ ስምምዕ ኣብ ሽግራት ብከላ ኣየርን ጸጥታን ከተኲር እዩ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ እዋን ትራምፕ ላሕሊሑ ዝነበረ ክልተኣዊ ዝምድናአን ኣብ ምጥንኻር ክሰርሓ ምዃነን እውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብዚ ንሸሞንተ መዓልታት ዝጸንሕ ዑደት፡ ጆ ባይደን፡ ምስ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክራኸብን ከምኡውን ኣብ ኣኼባ G-7 ን ዋዕላ ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (NATO) ክሳተፍ እዩ።
ጆ ባይደን ምስ መዘንኡ መራሒ ሩስያ፡ ኣብ ዝህልዎ ርክብ፡ ኣብ ሰፋሕቲ ኣገደስቲ ጒዳያት ክዝቲ ምዃኑ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ። ገለ ካብዚ ጒዳያት፡ ኣብ ምቊጽጻር ኣጽዋር፡ ምቕያር ክሊማ፡ ምትእትታው ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክሬን፡ ከምኡውን መጥቃዕቲ ሳይበር ሩስያ ከምኡውን ማእሰርቲ ተቓዋሚ መንግስቲ ሩስያ ኣለክሰይ ናቫልኒ እዩ።
ምስ ሩስያ ኣብ ግጭት ክንኣቱ ድሌት የብልናን፡ ርጒእን ኣንፈቱ ዝፍለጥን ርክብ ክህልወና ኢና ንደሊ። እንተኾነ ግና ከምቲ ኣነጺረ ዝገልጾ፡ ሩስያ፡ እንድሕሪ ጎዳኢ ንጥፈታት ቀጺላ፡ ጽንክር ዝበለ ሳዕቤናት ክወርዳ ምዃኑ ክትፈልጥ ይግባኣ ክብል ኣጠንቂቑ።