ስርሒት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ 31 ነሓሰ ከም ዘብቅዕን ክሳብ ሽዑ እቲ ሰራዊት ካብታ ሃገር ክወጽእ ቅኑዕ ውሳነ ምዃኑን፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ገሊጹ።
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ናብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምእታዉ፡ ዝመጸ ራብዓይ ፕረዚደንት ዝኾነ ባይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጽኡ ህይወት ንምዕቃብ ኣድላዪ እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ጒጅለ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰፋሕቲ ከባቢታት ደጊሙ ይቈጻጸር ምህላዉ ተፈሊጡ። ይዂንምበር ኣብ ኣፍጋኒስታን ብኣመሪካ ዝሰልጠነ 300ሽሕ ዝቚጽሩ ሰራዊት ምስ ምህላዉ 75 ሽሕ ዝብዝሖም ጣሊባን ዘምጽእዎ ለውጢ የለን ክብል ባይደን ነቲ ጣሊባን ድሕሪ ምውጻእ ኣመሪካ ዓብላሊ ሓይሊ ክኸውን እዩ ዝብል ስግኣት ውዱቕ ጌርዎ። ድሕሪ ምሉእ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ንቤት ጽሕፈት ኤምባሲኡን መዓርፎ ነፈርቲ ካቡልን ዝሕልዉ ካብ 650 ክሳብ 1000 ኣባላት ክትገድፍ ምዃና ተሓቢሩ’ሎ።
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኒውዮርክን ዋሺንግተንን ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ናብ ኣፍጋኒስታን ወራር ምፍጻሙ ዝዝከር እዩ።